ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ንብሉጻት ሓረስቶት ሽልማት ሂቡ


ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ንብሉጻት ሓረስቶት ሽልማት ሂቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:35 0:00

ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ንብሉጻት ሓረስቶት ሽልማት ሂቡ

ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ብምኽንያት ኣብ ወርሒ መስከረም ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላ ስርናይን ዕፉንን ንሸውዓተ ብሉጻት ኣብነታውያን ሓረስቶት ሽልማት ሂቡ።እቶም ተሸለምቲ፡ ማይን ሓመድን ብምዕቃብን መሬቶም ብምድልዳልን፡ ኣብ ሄክታር ልዕሊ 50 ኩንታል እቶት ከፍርዩ ብምኽኣሎም እዮም እቲ ሽልማት ተዋሂብዎም።

ብሚኒስትሪ ሕርሻ 10 ዓይነት ነናይ 100 ግራም ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ ከም እተዋሃቦምን ፈለማ 2 ብ 3 ሜተር ዝስፍሓቱ መሬት ከም ዝፈተንዎምን ዝገለጹ እቶም ተሸለምቲ ሓረስቶት፡ ካብዚኦም ስድራ፡ ቃፍዛን ክሮክን ዝተባህሉ ሰለስተ ዓሌታት ልዑል እቶት ክህብዎም ብምኽኣሎም ኣብ ዓቢ ግራት ከም ዘባዝሕዎም ሓቢሮም።

ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ ናይ ምብዛሕ ንጥፈታት ኣብ 2012 ከም ዝጀመረዎ ዝገለጹ እቶም ሓረስቶት፡ ነቲ ልዑል እቶት ንምርካብ ብውልቆም ብዙሕ ጻዕርን ድሕሪ ምግባሮም ልዑል ምህርቲ ኽረክቡን ነቲ ሽልማት ከብቕዑን ከም ዝኽኣሉ ሓቢሮም።

ነቲ ብግብሪ ዘረጋገጽዎ ተመክሮ ንካልኦት ሓረስቶት ብምክፋል ንብዙሓት ክጸልዉ ከም ዝኸኣሉ ዝተዛረቡ እቶም ሓረስቶት፡ ድሮ’ውን እቲ ውጽኢት ኣብ ባይታ ክርአ ከም ዝጀመረ ወሲኾም ሓቢሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG