ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኹንን ናይ ውሳነ ንድፊ ኣፅድቂዎ


ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮምያን ኩለን ዞባታት ኢትዮጵያን መጠኑ ዝሓለፈ ሓይልን መግሃስትን ብምጥቃም ብኸቢድ ዝኹንን ናይ ውሳነ ንድፊ ሎሚ ቅድሚ ሰዓታት ኣፅድቂዎ።

ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮምያ ኢትዮጵያን መጠኑ ዝሓለፈ ሓይልን መግሃስትን ተጠቂማ ብዝብል ብኸቢድ ዝኹንን ናይ ውሳነ ንድፊ ሎሚ ኣፅድቂዎ።

እቲ ውሳነ ብተወሳኺ ነቲ ኩነታት ኣጽኒዑ ጸብጻብ ዘቕርብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰላት ናብታ ሃገር ንክበጽሕ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዕድም ይጸውዕ። እቲ ንድፊ ውሳነ ደገፍ ኣብዝሓ ኣባላት’ቲ ፓርላማ ከም ዝረኸበ ኣባል’ቲ ፓርላማ ዝኾና ኣና ጎመዝ ንቪኦኤ ገሊጸን።

ንዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ክልል ኦሮምያ ምስ ምስፋሕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተተሓሒዙ ዝተላዕለ ህዝባዊ ተቓውሞን፡ ሓይልታት ጸጥታ ብውሕዱ 140 ሰባት ምቕታሎምን ብዙሓት ምቑሳሎምን ይጠቅስ'ቲ መግለጺ ዝፀደቀ ንድፈ-ሓሳብ ሕብረት ኤውሮጳ።

እዚ ዳሕራዋይ ምንቅስቓስ ነቲ ኣብ 2014፡ ፈደራል ፖሊስ ናብ መብዛሕቲኦም ሰላማውያን ዝነበሩ ሰልፈኛታት ተኹሲ ከፊቶም ብኣሰርተታት ዝቁጸሩ ቀቲሎም ካልኦት ብኣማኢት ዝቁጸሩ ተማሃሮ ዝኣሰርሉ ደማዊ ፍጻመ ዘቃልሕ`ዩ ዝበለ ንድፈ-ውሳነ፡ ዝጸደቀ ብደገፍ ዝበዝሓ ኣባላት’ቲ ፓርላማ ምኻኑ ኣባል’ቲ ፓርላማ ኣና ጎመዝ ንቪኦኤ ገሊፀን ። ኣና ጎመዝ ካብ መንጎ’ቶም ሸሞንተ ዓበይቲ ፓርትታትን ጉጅለታትን ህዝቢ ኤውሮጳ ሸውዓቲኦም ከምዝደገፍዎ ገሊፀን።

ንሰን ብተወሳኺ“እዚ ብፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ ዝጸደቀ ዓብይ ንድፈ ውሳነ ብጉጅለይ ጥራይ አይኮነን ተደጊፉ። ብሽውዓተ ቀንዲ ዓበይቲ ፖሎቲካዊ ጉጅለታት ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ’ዩ ተደጊፉ” ኢለን።

እቲ ብፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ዝጸደቀ ንድፊ 15 ነጥብታት ዝሓዘ መጸዋዕታ፡ ጎንጻዊ ስጉምቲ፡ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ፖለቲካዊ ምፍርራሕን ምህዳንን ደው ክብል፡ ሓሳቦም ብናጻ ስለዝገለጹ ጥራሕ ተኣሲሮም ዘለዉ ተማሃሮ፡ሓረስቶት. ጋዜጠኛታት፡ ብሎገራትን ካልኦትን ብቕልጡፍ ክፍትሑ፡ ኣብ ቅትለት ሰልፈኛታት ናጻ መርመራ ክግበርን፡ ተሓተቲ ደረጃ ስልጣኖም ብዘየገድስ ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ይጽውዕ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG