ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝተፈጥሩ ጎንጽታት ድኽመት አካላት ምምሕዳር መንግስቲ’ዩ” ኢሶዲፓ


ኣብ ኢትዮጵያ ቀንዲ ምክንያት ዛጊት ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝተፈጥሩ ጎንጽታት ድኽመት አካላት ምምሕዳር መንግስቲ’ዩ ክብል ሶሻል ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ፓርቲ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጂ ኣብ መንጎ ተወላዶ ኦሮሞን ጌዶን ዝተፈጥረ ጎንጺ ብምጥቃስ’ዩ ነዚ ዝበለ በቲ ጎንጺ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ከምዝተመዛበሉ’ውን ኣፍሊጡ’ሎ።

ብኻልእ ወገን ከአ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ብሰንኪ ጎንጺ 527 ስድራ ቤታት ተመዛቢሎም። ኣብ ከተማ ህርዳር ኣብ ልመና ተዋፊሮም ከምዘለው ወከልቶም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ብሰንኪ እምነትና በደል ተፈጺሙና ክብሉ ኣብ ሓደ ቤት ክርስትያን ተዓቑቦም ዝጸንሑ ተማሃሮ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ሎሚ ናብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲኦም ከምዝኣተው ተገሊጹ’ሎ።

ኣብ ቀረባ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ኣብ ዝርከብ ወረዳታት ኣብ መንጎ ዝነብሩ ተወላዶ ኦሮሞን ጌድኦን ዝተፈጥረ ጎንጺ መሰረት ብምግባር ናይ ኢትዮጵያ ሶሻል ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኢስዴኦ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ከባብያዊ ጎንጽታት ህዝብታት ንከይፈጥሩ ኣቀዲምካ ምክልካል ቀዳማይ ተግባር መንግስቲ ክኸውን ይግባእ ክብል ተላብዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG