ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ስዑድ-ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵውያን እሱራት ሓገዝ ይፅውዑ


ኣብ ስዑድ-ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵውያን እሱራት ሓገዝ ይፅውዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:22 0:00

ኣብ ስዑድ-ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵውያን እሱራት ሓገዝ ይፅውዑ

ኣብ ስዑድ ዓረብ ንነዊሕ እዋን ተኣሲሮም ዝፀንሑ ኢትዮጵያውያን ዋላ እኳ መቕፃዕቶም እንተወድኡ፣ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብዘይምኽኣሎም ሕጂ እውን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐዩ ከምዘለው ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም መቕጻዕቶም ወዲኦም ዝተፈትሑ ስደተኛታት ተቐቢሉ ናብ ሃገሮም ክመልሶም ከምዘይከኣለ ዝገለፁ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፣ በዚ ምኽንያት ኣስታት 300 ዝኾኑ ሰባት ካብ 6-9 ኣዋርሕ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ክፀንሑ ከምዝተገደዱ ሓቢሮም። ኣብቲ ዘለውሉ ሺመይሲ ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ልዕሊ 50- ሽሕ ኢትዮጵያውያን ሕጂ እውን ተኣሲሮም ከምዘለው እውን እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ገሊፆም። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝተሓተተ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ ነቶም ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ስደተኛታት ናብ ዓዶም ንምምላስ ይሰርሕ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG