ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ድርቂ ዝሞተ ሰብ የለን ኢሉ


ብደርቂ ምኽንያት ኣብ ኢትዮጵያ ዝሞተ ሰብ የለን ይብል ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ድርቅን ንዘስዓቦም ሽግራትን ምላሽ ንምሃብ ናይ ዝተጣየሰ ኮሚቴ ሃገራዊ ሓደጋ ምክልኻልን ድልውነት ብዋና ጸሓፊነት ዝመርሑን መዓልታዊ ስራሕ ዝከታተሉን ኣቶ ምትኩ ምስ ቪኦኤ ኣብዘካይድዎ ቃል ምልልስ ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ወገናት ሓገዝ ኣብ እዋኑ ኣይብጽሕን ዘሎ፤ብመጠን እውን ዝነኣሰን እዩ ንዝብሉ ርእይቶታት'ውን ኣይተቐበሉዎን።

ዝውሃብ ሓገዝ ብመጠን ካሎሪ ዓለምለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ እዩ ዝበሉ ኣቶ ምትኹ ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ 2100 ኪሎ ካሎሪ ክረክብ ስለዘለዎ ብነፍስ ወከፍ 15 ኪሎ ግራም ስርናይ፣1.5 ኪሎ ግራም ጥራጥረ ኣስታት ፍርቂ ሎትሮ ዘይትን ዕድሚኦም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ንዝኾኑን ንነፍሰ-ጹርን ዘጥብዋን ኣዴታት እውን ብነፍስወከፍ 4.5 ኪሎ ግራም ሓጋዚ ምግቢ ከምዝውሃበንን ዘርዚሮም።

ብምኽንያት ድርቂ ንዝኸፍአ ጥምየት እናተቓልዑ ህይወት ሰብ ዝጠፍኡሎም ከባቢታት ከምዘለው ንዝሕብሩ ጸብጻባት ኸአ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ኢሎም ኣቶ ምትኩ ካሳ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ድርቂ ዝሞተ ሰብ የለን ኢሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:19 0:00

XS
SM
MD
LG