ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ምቍራጽ ሓገዝ ንትግራይ ኣብ ጥዕና ዜጋታት ርኡይ ምንቍልቋል የስዕብ ምህላው ገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ኲናትን ምቍራጽ ሰብኣዊ ሓገዛትን ናብ ክልል ትግራይ ተደማሚሩ፡ ብዙሓት ዜጋታት ትሕቲ ንቡር ሚዛን ይምዘኑን ብዋሕዲ ዝተመጣጠነ መግቢ ይሳቐዩ ምህላውምን ንምንጭታት ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ።

ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ገምጋም፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ልዕሊ 8.8 ሚልዮን ዜጋታት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኰይኖም፡ ምስ ምቍራጽ ሓገዝ ኣብቲ ከባቢ ግን እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው እናበኣሰ ምምጻኡ ይሕብር።

ቤት ጽሕፈት ኦቻ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ናብ ሕክምና ዝኣትዉ ዜጋታት ብኣስታት ዕጽፊ ምውሳኹ ኣመልኪቱ'ሎ። እቲ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀንዲ ጠንቂ እቲ ዕብየት ዘይተመጣጠነ መግቢ ምቍራጽ ሓገዝ ምዃኑ ይጠቅስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG