ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝሃብዎ መግለጺታት


መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ሕጽረት መግቢ ንከየጋጥም ስራሕቲ ቅድመ ጥንቃቀ ከምዝፈጸመን ሎሚ’ውን እንተኾነ ምቹእ ኩነታት ንምፍጣር ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ሰላም ወ/ሮ ሙፈርያት ከሚል ‘ሎሚ’ውን ናብ ትግራይ ብነፈርቲን ብጽርግያን ሓገዝ ንክልእኹ ዝደልዩ ኣካላት፣ እቶም መስመራት ክፉት ከምዝኾኑ ግን ከይተፈተሹ ከምዘይሓልፉ ገሊጸን’ ይብል ወኪልና ኣዲስ ቸኮል።

ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ብሓደ ገጽ ረድኤት ንክባጻሕ ተኹሲ ደው ኣቢልና፣ ሰራዊትና ካብ ትግራይ ኣውጺእና እናበሉ፣ ካብን ናብን ትግራይ ይግበር ንዝነበረ ናይ ኣየርን ምድርን ትራንስፖርት ብምዕጻው ሓገዝ ይኹን ካልኦት ኣገልግሎታት ኣቋሪጾም’ ኢሎም።

ካብ ኣዲሳበባን ኣስመራን ብቀጥታ ዝተዋሃቡ ግብረ መልሲታት ዛጊድ ኣይተሰምዑን። እንተኾነ፣ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ቅድሚ ሎሚ ብመሰረት ዝሃብዎ ሪኢቶ ‘መንግስቲ ኤርትራ ይኹን ሰራዊት፣ ረድኤት ናብ ህዝቢ ንከይበጽሕ ዓንቂፎም ወይ ጉድኣት ኣውሪዱ ኣይፈልጥን’ ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:25 0:00


XS
SM
MD
LG