ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍርቂ ህዝቢ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ፅሩይ ዝስተ ማይ ኣይረክብን ይብሉ ነበርቲ


ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ከቢድ ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ከምዘጓነፎም ሓረስቶት እቲ ወረዳ ይዛረቡ። ነበርቲ ጣብያ ሓደ ኣልጋ ቁሸት ዳላተ ብሕሱም እቲ ፀገም ማይ ካብ ርሑቕ ከባቢ ብእንግደዖም ይፀሩ ምህላዎም ይገልፁ።

ነቲ ፀገም ንምቅላል ተሓሲቡ ኣብቲ ከባቢ ዝተዃዓታ ጐዳጉዲ ማይ ዛጊት ኣገልግሎት ከምዘይህባ ዘለዋ እውን እቶም ሓረስቶት ይገልፁ።

እቲ ፀገም ምህላዉ ዝኣመኑ ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣይተ ክፍሎም ሃይለ እንተኾነ ግን ኣብቲ ወረዳ ካብ ዝነብር 161 ሽሕ ህዝቢ ፍርቁ ፅሩይ ዝስተ ማይ ከምዘይረክብ ሓቢሮም። ኣብቲ ወረዳ ዝተዃዓታ 6 ጐዳጉዲ ማይ ንህዝቢ ከምዘየገልግላ ዘለዋ እውን ገሊፆም፤ እዚ ድማ ብሎሚ ፅባሕ ክሰልጠልና ኣይከኣለን ይብሉ።

ኣብቲ ወረዳ ካልኦት ብርክት ዝበላ ጐዳጉዲ ማይ ተዃዒተን ተዓሺገን ምህላወን እውን እቲ ህዝቢ ይገልፅ፤ ኣይተ ክፍሎም እተን ተዓሺገን ዘለዋ ጐዳጉዲ ማይ ነቲ ኣብ ጐልጎል ራያ ክለምዕ ተሓሲቡ ዘሎ ሰፊሕ ሕርሻ መስኖ መፈፀሚ ከምዝውዕል'ዮም ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፍርቂ ህዝቢ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ፅሩይ ዝስተ ማይ ኣይረክብን ይብሉ ነበርቲ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:32 0:00

XS
SM
MD
LG