ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አምስቲ ኢንተርናሽናል ናብ ኢትዮጵያ ዝኸደ ጉጅለ ልኡኻተይ ካብታ ሃገር ተባሪሮም ክብል አፍሊጡ


ኣምስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት አተሓሕዛ ሰብአዊ መሰላት ናይ ግልፅነት ጉዳይን ንምፍታሽ ፍቃድ ሓቲቱ፡ ኣብ ሓሙሽተ ወርሒ ከምዝረኸበን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሓለፋ 12- መዓልታት ከምዝፀንሐን ኣብቲ ጉጅለ ተመራማርት ጉዳይ ኢትዮጵያ ክለየር በስተን ገሊፀን።

ሓያለ ተወላዶ ኦሮሞ ከምዝተአስሩ ከምዝሰምዓ ዝገለፃ ክለየር በስተን ገና ጭቡጥ ቁፅሪ ኣብ ኢደን ከምዘየለን ግን ንጊዚኡ ካብ ዘተኣኻኸበኦ ሓበሬታ ካብ መጋቢት ክሳብ ሚያዝያ ካብ 200-300 ኦሮሞቶት ከምዝተአስሩ ፈሊጥና'ለና፡ ካብኡ ንደሓር'ውን ሓያለ ተአሲሮም'ለው ኢለን።

ካብኡ ብተወሳኺ አብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተአስሩ ካብ ናይ ኦሮሞ ህዝቢ ኮንግረስ በቀለ ገርባ ካብ ናይ ኦሮሞ ፌደራላዊ ምንቅስቃስ ኦልባና ላሊሳ ዝተአስሩ ንዓና ስለዘዘራረቡ'ዮም ኢለን ከምዝአምና ሚስ ክለየር በስተን ተዛሪባን።

ክለየር በስተን ወሲኸን ብሰበ-ስልጣን ሚኒስተር ወፃኢ ኢትዮጵያ ተፀዊዖም ብህፁፅ ካብታ ሃገር ንኽወፁ ከምዝተነግሮምን ንምውፃእ'ውን ከምዝተገደዱን ገሊፀን።

ማእሰርቲ መራሕቲ ክልቲኦም ተቃወምቲ ፓርትታት ኢትዮጵያ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ አምስቲ ኢንተርናስናል ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ አፍሊጡ'ሎ።

ብዛዕባ ማእሰርቲ'ቶም መራሕቲ ተቃወምቲ ፓርት መግለፂ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ አቶ ስመልሽ ከማል፡ እቶም ሰባት ዝተአስሩ ኣብ ቀረባ ምስ ፈጠራ ሽበራ ብዝተተሓሓዘ ምስ ዝተአገደ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ አለዎም ብዝተባህለ ርክብ ምኽንያት'ዩ ክብሉ ትማሊ ምግላፆም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG