ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ሃዋሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ እትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ምትካኽ ትኪ ኣጋጢሙዋ


ፋይል
ፋይል

ንብረት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝዀነት ቍጽሪ በረራ E157 ካብ ሃዋሳ ተበጊሳ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን ካብ ውሽጣ ትኪ ክወጽእ ከም ዝተራእየ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ተጓዓዝቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣካፊሎም። ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ዘጋጠመ ክስተት፡ እታ ነፋሪት ብሰላም ናብ መዕረፊ ቦታኣ በጺሓ፡ ተጓዓዝታ ድማ ብሰላም ምውራዶም መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ሓቢሩ።

ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ተሳፈርቲ ግን ገለ ካብቶም ነቲ ቪድዮ ዝቐረጹ ከም ዘርእዩዎ፡ ድሕሪ’ቲ ሃንደበታዊ ትኪ ብራዕዲ ክውጭጩን ክጽልዩን ይረኣ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንተጓዓዝቲ ይቕረታ ሓቲቱ ነቲ ጉዳይ ከጻርዮ ምዃኑን ሓቢሩ ኣሎ። ዛጊት ግን እንትርፎ’ቲ ትማሊ ዝለጠፎ ሓጺር መግለጺ ኣብቲ ጉዳይ መርመራ ተኻዪዱ እንተዀይኑን ምኽንያት ናይቲ ሓደጋ ከለልዮ እንተኽኢሉን ተወሳኺ መብርሂ ኣይሃበን። ድምጺ ኣመሪካ ኣብቲ ጉዳይ ካብቲ መንገዲ ኣየር ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ’ውን ዛጊት ኣይቀንዖን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG