ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንምጽዋት ናብ ኤርትራ ይጉዓዙ


አብ 2018 ዓ.ም አብ ሩስያ ንዝካየድ ዋንጫ ዓለም ዝሳተፉ ሃገራት ንምምራጽ አብ ዝካየድ መጻረይ ውድድር ንምስታፍ ሾሞንተ ኤርትራዊያን ካብ ዙርያ ዓለም ናብ ኤርትራ ተጓዒዞም ኣለዉ።

ሄኖክ ጎይትኦምን ሰናይ ብርሃን ገለ ካብቶም ሾሞንተ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ- “ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ” አብቲ መጻረይ ውድድር ዝሳተፉ ስፖርተኛታት እዮም።

ኣብ`ቲ ጽባሕ ቐዳም ኣብ ስታድየም ኣስመራ ኣንጻር ጋንታ ቦትስዋና ዝካየድ መጻረዪ ውድድር ክስለፉ ምዃኖም`ውን ካብ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ።

ሄሮክ ጎይትኦም ምስ AIK ዝተባህለት ጋንታ አብ ሽወደን ዝጻወት ከክውን ከሎ ካብ 2004 ዓ.ም ጀሚሩ ምስ ዝተፈላለየ ጋንታት ኤውሮጳ ክጻወት ዝጸንሓ ኮይኑ 85 ሸቶታት ንጋንታታቱ ብምምዝጋቡ ካብ መንጎ ፍሉጣት ኣጥቃዕቲ ሓደ`ዩ። ሰናይ ብርሃነ ድማ ምስ Sundbybergs IK ጋንታ ሽወደን ዝጻወት’ዩ።

ኩለን ተሳተፍቲ ሃገራት ቀዳማይ ዙር ውድድር ካብ ጥቅምቲ 5-13,2015 ከካይዳ ከለዋ ካልአይ ዙር ውድድር ድማ ህዳር 09-17,2015 ከካይዳ`የን።

ካብ ምስራቕ አፍሪቃ ንቀዳማይ ዙር መጻረይ ውድድር ዝገጥማ ሃገራት ኤርትራ ምስ ቦስትዋና፡ ኢትዮጵያ ምስ ሳ ኦ ቶም ፕሪንሲፓ፡ ሶማልያ ምስ ኒጀር፡ ጅቡቲ ምስ ሲውዘርላንድ፡ደቡብ ሱዳን ምስ ማውሪታንያን ማውሪሾስ ምስ ኬንያ ክጋጠማ እየን።

ኤርትራ ምስ ቦስትዋና ጽባሕ ቀዳም ካብ ከባቢ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ስታድየም አስመራ ክትጋጠም’ያ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG