ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሽሻይ ሓይለኣብ -- ኣተኵሮ ኣብ ባህላዊ ሓድግታትን ውርሻን


 ሽሻይ ሓይለኣብ -- ኣተኵሮ ኣብ ባህላዊ ሓድግታትን ውርሻን
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:39 0:00

ሽሻይ ሓይለኣብ -- ኣተኵሮ ኣብ ባህላዊ ሓድግታትን ውርሻን

ሽሻይ ሓይለኣብ ኣብ ምጽናዕን ምስራሕን ባህላዊ ፊልምታት ኣተኵሩ ዝነጥፍ ዘሎ ስነ-ጥበበኛ’ዩ። ካብ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ዓዲ ቀይሕ ብዓውዲ ቋንቋታትን ስነ- ጽሑፍን ኤርትራ ቀዳማይ ዲግሪ ዝረኸበ ሽሻይ፡ እቲ ዝዓበየሉ ከባቢን ዝሓለፎ ሂወትን ኣብ ባህሊ ብሓፈሻ ኣብ ኣፋዊ ያታ ከኣ ብፍላይ ጸቒጡ ንኽርሕ ጽልዋ ከም ዝገበረሉን ድሒሩ ብዝግበሮ መጽናዕታት ድማ ንድሌቱ ከም ዘራጎዶን ይገልጽ።

ኣብ ምጽናዕ፡ ምጽሓፍን ምእላይን ፊልምታት ዝነጥፍ ሽሻይ፡ ዛጊት “ኳልባ” ትብል ፊልም፡ “ኣድሃል”፡ “ጽዋ ጎቦና”ን “ፍርዲ መሬት” ዝብላን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ትፍኖ ዘላ ዋልታ ሓርማዝ ዘርእስታ ተኸታተልቲ ፊልምታታን ዘፍረየ ኮይኑ፡ ኣብ ጉጅለ ባህሊ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ ልዕሊ 90 መጽናዕታዊ ባህላዊ ደርፍታት ኣበርኪቱ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG