ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉዳይ ጅቡትን ኤርትራን ሰላማዊን ርትዓውን መዓልቦ ረኺቡ ትብል ቐጠር


ናይ ቐጠር ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ሱልጣን ቢን ሰዓድ ኣል-ሙራኪሂ፡ ኣብ መንጎን ጅቡትን ኤርትራን ዝነበረ ዘይምቅዳው ብሽምግልና፡ ሰላማውን ርትዓውን መዓልቦ ረኺቡ`ዩ ኢሉ።

ኣብ እዋን መበል 71 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ብኣሚር ቐጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣል ጣኒ ዝቐረበ መደረ ብምጥቃስ ዝተዛረበ ኣል-ሙራኪሒ፡ ጉዳይ ጅቡትን ኤርትራን ኣብ ሰናይ ጉርብትናን ሓባራዊ ምክብባርን ዝተመስረተ ሰላማዊን ርትዓውን መዓልቦ ረኺቡ`ዩ ኢሉ።

ከምኡ`ውን እቲ ፍታሕ ብመሰረት ዓለም-ለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ዶብን ብምኽባር ግዝኣታዊ ሓድነትን ልዑላውነትን ሃገራት፡ ኸምኡ`ውን ብምፍታሕ ኩሎም ምሩኻት ኩናት ጅቡቲ ኸምዝተወደአ ኣፍሊጡ።

ክልቲኦም መራሕቲ ጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን ብሽምግልና ቐጠር ኽዳነ ኣብ 2010 ዓ.ም ስምምዕ ከምዝፈረሙ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

ጉዳይ ጅቡትን ኤርትራን ሰላማዊን ርትዓውን መዓልቦ ረኺቡ`` ትብል ቐጠር
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:08 0:00


XS
SM
MD
LG