ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'መንግስቲ ኤርትራ ትርጉሙን ዕላምኡን ባዕሉ ዝፈልጦ መጥቃዕቲ ትማሊ ፈጺሙ' ኢሎም ኣቶ ጌታቸው ረዳ


Ethiopia - Eritrea
Ethiopia - Eritrea

ሚኒስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ 'መንግስቲ ኤርትራ ቅድሚ ሕዚ ወይ ንሸፋቱ ይሰድድ፣ ወይ ገለ ይገብር ነይሩ፣ ትማሊ ግን ብከቢድ ብረት ዝተሓገዘ መጥቃዕቲ ፈጺሙ' ኢሎም።

'ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሓይልታቱ ኣንቀሳቂሱ፣ ናይ ምክልኻልን ጸረ መጥቃዕቲን ስጉምቲ ወሲዱ። ናይ መንግስቲ ሻዕቢያ መጥቃዕቲ ክፈሽል ተገይሩ'ዩ' እውን ኢሎም እቶም ወሃቢ ቃል።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ንዓለም ለኸ ሕጊታት ብዝጣሓሰ ኣገባብ ንዶብ ሰጊሩ ንስትራተጂካዊ ወትሃደራዊ ስፍራታት ተቖፃፂሩ'ዩ ዝብሉ ሪፖርታት በፂሖምና ኣለው'ሞ ሪኢቶ ይሃቡና ተባሂሎም ኣቶ ጌታቸው ክምልሱ ከለው 'መንግስቲ ኤርትራ መዳፍዓትን ታንክታትን ኣዋፊሩ ንመንደራት ክድብድብ ከሎ ንዓለም ለኸ ሕጊ ተፃሪሩ'ሎ ማለት'ዩ፣ ንዓለም ለኻዊ ሕጊ ተፃሪሩ ዝፍፀም ተግባር ንምቅልባስ ዝውሰድ ስጉምቲ ናይ ሃገራት መሰል'ዩ። ሰራዊትን መንግስቲን ኢትዮጵያ እንተኾኑ ንሉኣላዊነትን ነፃነትን ኤርትራ ንምድፋር ድልየት ኣይነበረን ንቅድሚት'ውን ኣይክህሉን'ዩ' ኢሎም።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣብ ከባቢ ጾረና ድምጺ ከቢድ ብረትን ተኹሲን ከምዝሰምዑ ነበርቲ ገርሁ ስርናይን ዛላምበድሳን ገሊጾም። እንተኾነ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ኩነታት ሃዲኦሞ ከምዘለው እቶም ዘዘራረብናዮም ነበርቲ ሓቢሮም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:08:42 0:00

XS
SM
MD
LG