ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ልዝብን ምኽክርን ኢትዮጵያ ንዕጡቓት ኣካል ዝርርብ ክዀኑ ይጽውዕ፡ ኣመሪካ ድጋፋ ትገልጽ


ኮሚሽን ልዝብን ምኽክርን ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ሰፋሕቲ ጎንጽታትን ጥህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንምፍታሕ ኵላቶም ኣካላት ኣብቲ ዘተ ክሳተፉ ጸዊዑ። እቲ ኮሚሽን ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብታ ሃገር ንዝነጥፉ ዕጡቓት ወገናት’ውን ኣካል’ቲ ዘተ ክዀኑ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ ኣሎ። እንተዀነ ኣብቲ ዝመጽእ ሰሙን ክጅምር ትጽቢት ዝግበሮ ሃገራዊ ዘተ ሓያሎ ፖለቲካውያን ውድባት ተቓውሞአን ብምግላጽ ከም ዘይሳተፋ ኣመልኪተም ኣለዋ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዀነ ኢርቪንግ ማሲንጋ ነቲ ብኮሚሽን ምኽክር ዝተግበረ ጻውዒት ዘለዎ ድጋፍ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ፋይስቡክ ኣካፊሉ ኣሎ። ኣምባሳድር ማሲንጋ ኣብ መግለጺኡ፡ “እቲ እንኮ ንኢትዮጵያ ናብ ዘላቒ ሰላም ክወስዳ ዝኽእል ክፉትን ሃናጺን ዘተ’ዩ፡” ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG