ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖለቲካዊ ፓርትታት ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ልዝብ ዝኸውን ኣጀንዳ ከዳልዉ ይሕተቱ


ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ፓርትታት ንሃገራዊ ልዝብ ዝኸውን ኣጀንዳ ከዳልዉ ይሕተቱ`ለዉ።

ገለ ፓርትታት ብወገኖም ኣብቲ መስርሕ ምኽክር ንምስታፍ ቅድመ-ኩነት የቕርቡ`ለዉ። ካብ መንጎ`ቶም ዝቐረቡ ቕድመ-ኩነታት ድማ ብፖለቲካዊ ኣረኣእዮኦም ጥራሕ ዝተኣስሩን ኣብቲ መስርሕ ልዝብ ዕዙዝ ተራ ክህልዎም ዝኽእልን ዝበሉዎም ኣባላቶም ክፍትሑ ኣለዎም ዝብል ይርኸብዎም።

እቲ ኮሚሽን ብወገኑ እቲ መስርሕ ንኹሎም ኣካላት ከሳትፍ ስለዝግባእ ብፖለቲካዊ ፓርትታት ዝቐርብ ቅሬታታት መዕለቢ ክረክብ ኣብ ምጽዓር ከም ዝርከብ ኣፍሊጡ`ሎ።

ድሕሪ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ማእሰርትን ኣብቲ መስርሕ ልዝብ ኣሉታዊ ተጽዕኖ ጌሩ`ሎ ዝበለ ኢሕኣፓ፡ ኣቦ መንበሩ ዝርከብዎም እሱራት ፖለቲካ ኣብ ቀረባ ግዜ እንተዘይተፈቲሖም ኣብቲ መስርሕ ክሳተፉ ከም ዘይኮኑ ኣፍሊጡ`ሎ።

ዋና-ጸሓፊ`ቲ ኮሚሽን ልዝብ ዝኾነ ኣቶ ደስታ ዲንቃ ብወገኑ፡ ኣብ መስርሕን ዕላማን`ቲ ምኽክር ዝተፈላለዩ ግንዛበታት ከም ዘለዉ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብታ ሃገር ብዘሎ ናይ ፖለቲካ ረስኒ ብዛዕባ`ቲ መስርሕ ዝቐርቡ ሕቶታት እናወሰኹ ይኸዱ ምህላዎም ጠቒሱ።

ስለዝኾነ ድማ ምትእምማን ክፈጥር ዘኽእል ስጉምቲ ክውሰድ ከም ዘለዎ እቲ ምሁር ሕጊ ዋና-ጸሓፊ`ቲ ኮሚሽን ልዝብ ኣመልኪቱ`ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ እቶም ዝእሰሩ ሰባት ብፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ኣይኮኑን ብዝብል ከምኡ ዓይነት ይፈትሑልና ዝብል ቅድመ ኩነት ክነጽጎ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG