ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብ ዓመቱ፡ 5% ሓገዝ ጥራይ ይእከብ


ሰብኣዊ ሓገዝ ንሱዳን ንምትእኽኻብ ዝተጸወዓ ኣኼባ ሃገራት
ሰብኣዊ ሓገዝ ንሱዳን ንምትእኽኻብ ዝተጸወዓ ኣኼባ ሃገራት

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝጅምር ትማሊ ሰኑይ ዓመቱ ኣብ ዘቑጸረሉ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም፡ ሚልዮናት ተመዛቢሎምን ትሕተ-ቅርጺ እታ ሃገር ፍጹም ዓንዩን ኣሎ።ሮይተርስ ነቶም ሚልዮናት ኣብ ኣፈፌት ድርቂ ዝርከቡ ዜጋታት እታ ሃገር ሓገዝ ንምውህላል ዝተዳለወ መደብ’ውን ከምቲ ትጽቢት ዝግበሮ ኣይኰነን ይብል።

እኹል ሓገዝ ዘይምህላው ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ዝተረኸብ ንኡስ ሓገዛት’ውን ብሰንኪ ቀጻሊ ኲናት ስእነት ውሕስነት ሓገዝቲ ኣካላትን ናብቲ ተጸበይቲ ከበጽሕ ኣይከኣለን።

ካብ ርእሰ-ከተማ ካርቱም ብሓደ ጫፍ ፈለግ ኒል ኣብ እትከብ ከተማ ኦምዶርማን ዝዀነ በሺር ዓዋድ፡ እቲ ጉዳይ ተስፋ ከም ዘይብሉ’ዩ ዝገልጽ።

“ኵላተን ሃገራት ዓለም ብዛዕባ ናይ ካልኦት ኣገደስቲ ዝብልአን ሃገራት ጉዳይ’የን ኣተኲረን ዘለዋ። ንሕና ግን ገና ሳልሳይ ዓለም ስለ ዝዀንና ዝግደሰለና’ውን የሎን። ብእኡ ምኽንያት ከኣ ኢና ኣብ ስቓይ ንርከብ ዘሎና። ዛጊት ካብ ሃገራት ዓረብ ኰነ ካልኦት ምሳና ደው ዝበለ የሎን። ብሕጂ ግን ከምኡ ዓይነት ምድንጋጽ ክህሉ ንትስፎ፡” ይብል።

ፈረንሳ 110 ሚልዮን ከምኡ ድማ ኣመሪካ 147 ሚልዮን ሓገዝ ከም ዝተመባጽዓ ተፈሊጡ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት ንቕልውላው ሱዳን ዝውዕል 2.7 ቢልዮን ዶላር ንኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ ዜጋታት፡ 1.4 ቢልዮን ዶላር ድማ ንኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝርከቡ ስደተኛታት ሓገዝ ንምትእኽኻብ ዓሊሙ ነይሩ።

እንተዀነ 5% ናይቲ ዕላማ ዝተግበሮ ሓገዝ ጥራይ’ዩ ክትኣኻኸብ ክኢሉ ዘሎ። ከም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 27 ሚልዮን ሱዳናውያን፡ ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ምዃኖም’ዩ፡ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኰይኖም ኣለዉ።

ፈለማ ወራር ዩክሬን ድሒሩ ድማ ቅልውላው ቓዛ ንጉዳይ ሱዳን ክርሳዕ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ፈረንሳ ይሕብር። ለገስቲ ኣካላት ድማ ቀንዲ ኣቓልቦኦም ናብቲ ዝደሓረ ግርጭታት’ዩ ዓሊሙ ዘሎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ እናተጸንቀቐ ዝመጽእ ዘሎ ቀረብ መድሃኒታት ቀልጢፉ እንተ ዘይስዒቡ፡ ንዝመጽእ ወርሒ ኣብታ ሃገር ዝኸፍአ ቅልውላው ክስዕብ ምዃኑ ብዓርቢ ኣጠንቂቑ ነይሩ። ሰራዊት ሱዳን ግን ናብቲ ብመቀናቕንቱ ሰራዊት ቅልጡፍ ወሃብ-ድጋፍ ዝቆጻጸሮ ቦታ ዝዀነ ሓገዝ ንኽኣቱ ከም ዘየፍቅድ የዘኻኽር ኣሎ።

ትካላት ረዲኤት ንህዝቢ ዝመጽአ ሓገዝ ብሰራዊት ቅልጡፍ ወሃብ ድጋፍ ተደጋጋሚ ከም ዝዝመት ክገልጻ እንከለዋ፡ እቲ ኣሃዱ ግን ነቲ ክሲ ይነጽጎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG