ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ዓወት ዝተለሳለሰ ቃለ ምልልስ ዶናልድ ትራምፕ


ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምርጫ ካብ ዝዕወቱ ንድሓር ኣብ ዘርብኦም ተለሳሊሶም ኣለው።እዚ ክኣ ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫ ዝኣተውዎ መፅብዓ ክዕቅቡዶ ይኾኑ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉሎ።ንተነሓናሒኦም ዴሞክራሲያዊት ሂላሪ ክልቴንን ብዓል ቤተን ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ቢል ክልንቴንን ከምኡ እውን ንፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ንኢዶምዎም ኣለው።ፕሬዝዳንት ኮይኖም ዝተመርፁ ትራምፕ ምስ ቴሌቪዥን CBS ኣብ ዘካየድዎን ቃለ ምልልስ ንገሊኦም ሕቶታት መሊሶም ኣለው።

ትፅቢት ዘይተገብረሉ ዓወት ዶናልድ ተራምፕ ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ከተማታት ኣሜሪካ ተቓውሞታት ኣልዒሉሎ፣ኣብ ጥሪ ምስ ፅምብል ፕሬዝዳንታዊ ቃለ መሓላ ዝኸይድ ተቓውሞ ሰልፍታት ንምክያድ እውን ተሃቂኖም ኣለው።

እቲ ተቓውሞ ብዛዕባ ዘሕልፎ ትርጉም ሎሳንጀለስ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ሰልፊ ዝተሳተፈት ካትሊን ዳንሊቪ ‘’ከምዚ ዝበለ ተቓውሞ በቶም ሓዱሽ ፕሬዝዳንት ዝጎሃዩ ኣብዛ ሃገርን ኣብ ዓለምን ዝርከቡ ሰባት ኣሜሪካዊያን ንናይ ትራምፕ ዘርኣዊን ኣብ ፆታ መሰረት ንዝገበረ ኣርኣእይኦምን ከምዘይድግፉ መልእኽቲ ዘሕልፍ እዩ’’ትብል።

ዶናልት ትራምፕ 60 Minutes ብዝብል ኣብ ዝፅዋዕ ፕሮግራም ቴሌቪዥን CBS ‘’ውህብቶ ዘለዎ ስድራ’’ ክብሉ ንስድራ ክልንቴን ብምግላፅ ካብቲ ስድራ ምኽሪ ንምቕባል ከምዝደልዩ እውን ሓቢሮም ኣለው።ምስ ሜክሲኮ ኣብዘዳቡ ከባቢ መንድቕ ንምስራሕ ዝኣተውዎ መፅብዓ ግን ደጊሞም ኣረጋጊፆም ኣለው።ኣብ ገሊኦም ከባቢታት ኣብ ክንዲ መንድቕ ሓፁር ክስራሕ እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:40 0:00

XS
SM
MD
LG