ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ፡ ንመስርሕ ምዝሓል ዝጠቅም ምሃዞ


ኤርትራ፡ ንመስርሕ ምዝሓል ዝጠቅም ምሃዞ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:22 0:00

ኤርትራ፡ ንመስርሕ ምዝሓል ዝጠቅም ምሃዞ

ዮናስ መንግስተኣብ፡ ሄኖክ ሃብተስላሰን ኣማኑኤል ሚካኤልን ዝበሃሉ ኣብ ዓዲ ጓዕዳድ ዝርከብ ኮርፖሬሽን ጥሪትን ዘራእትን ዝሰርሑ ናይ 2018 ምሩቓት መካኒካል ኢንጅነሪንግ ኢንስቲዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ኣብ ስርዓት መዝሓሊ ብዝገበረዎ ሰንዓ፡ ሓደ ናይ ኤየር ኮንዲሽነር ኮምፕሮሰር ኣብ መዓላ ፍሪጅ፡ ኣየር ኮንዲሽነር፡ መዝሓሊ ማይን መስርሒ በረድን ከምዘገለግል ብምግባር 53% ወጻኢታት ዘጉድል ፕሮጀክት ምሂዞም።

ኣብ ዒላ በርዕድ መዝሓሊ መዐቀቢ ድሕሪ ምስርሖም ዕዉት ኮይኑ ስለዝረኸብዎ፡ ነቲ ኣብ መዓስከር ሳዋ ዘሎ ናይ ዝሑል ማይ ሕጽረት ንምቅላል ዘገልግል መዝሓሊ ማይ ዘይንሰርሕ ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊሶም ነቲ ስራሕ ብምምዕባል ኣብ ዝተፈላለዩ ጥቕምታት ከም ዝውዕል ገይሮም ነቲ ፕሮጀክት ከም ዝሰርሕዎ ሓደ ካብቶም ሰናዕቲ ዮናስ መንግስት ኣብ ይሕብር ።

ኣብ ስርዓት መዝሓሊ 70% ናይቲ ዋጋ ንመግዝኢ ኮምፕሮሰርን ንመዝሓሊ ዘገልግል ኮንደንሰርን ከም ዝኾነ ዝጠቐሱ እቶም ሰናዕቲ፡ እዚ ሰኒዖሞ ዘለዉ ስራሕ፡ ነቲ ኮምፕሮሰር ኣብ ኤየር ኮንዲሽነር (መውዓይን መዝሓልን ገዛን መኻዚኖን)፡ መዝሓሊ ማይ፡ መመስርሒ በረድ፡ ነቲ ፍርጅ ከም መዝሓልን መውዓይን ከም ዘገልግል፡ ነቲ ጀል ከኣ ጠሊ ካብ ከባቢኡ ስሒቡ ኣብ መዓልቲ ካብ 10 ክሳብ 20 ሊተር ማይ ከም ዘፍሪ ብምግባር ክሳብ 8 ጥቕምታት ከም ዝህብ ከም ዝገበርዎ ሓቢሮም።

ሕጽረት ማይ ብሓፈሻ ምስ ዘጋጥም ብፍላይ ከኣ ኣብ ባህረኛታት ኣብ ባሕሪ ዝስተ ማይ ምስ ዝስእኑ፡ መብዛሕቶም ጃላቡ ጀል ስለ ዘለዎም፡ በቲ ኮንፕሮሰር ተሓጊዞም ካብ ከባቢኦም ማይ ንምምስራሕ ከም ዝሕግዞም እቶም ሰናዕቲ ገሊጾም ኣለው።

ኣብቲ መቆጻጸሪ ኣካል ብዝገበርዎ ምምሕያሽ፡ እቲ መቆጻጸሪ ኣካል ብማንዋልን ኣውቶማቲክን ከም ዝሰርሕ ገይሮም ፕሮግራም ስለ ዝገበርዎ፡ ነቲ ፍሪጅ፡ ኤየር ኮንዲሽነረን፡ መዝሓልን መዐቀብን እናተቖጻጸረ ብብተራ ከም ዝሰርሕ ዝገብር ብምዃኑ ነቲ ስራሕ ፍሉይ ከም ዝገብሮ እቶም ሰናዕቲ የረድኡ።

እዚ ኣመሓይሾም ሰሪሖሞ ዘለዉ ቴክኖሎጂ፡ ኣብ ሃሩር ቦታ ከም መዕቀቢ መኻዚኖ ናይ ጸባ፡ ስጋ፡ ፍሩታታት፡ መድሃኒትን ካልእን ከምዘገልግል፡ ኣብ መዓስከራት፡ ኮሌጃት፡ ነኣሽቱ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ብዝደለይዎ ዓቐን ብምድላው ኣብ ምዕቃብ መግብን መስተን፡ ምምስራሕ ዝሑል ዝስተ ማይን በረድን ከገልግሎም ከም ዝክእል እቶም ሰናዕቲ ሓቢሮም ኣለዉ።

እዚ ስራሕ ኣብ ፌስቲቫል 2023 ንምርኢት ካብ ዝቐረቡ ናይ ሰንዓን ምህዞን ስርሓት እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG