ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምምሕዳር አዊ ዝተላዕለ ጎንጺ ኣብ ሲቪላት ሰባት ጉድኣት ምብጽሑ ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ አዊ ወረዳ ጃዊ ካብ ቅድሚ ትማሊ ሰኑይ 15 ሚያዝያ 2024 ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ረቡዕ ኣብ መንጎ መንግስቲን ዕጡቓት ፋኖን ብዝቐጸለ ጎንጺ ሲቪላት ከም ዝተጎድኡ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

እቶም ኣስማቶም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ነበርቲ ከም ዝበልዎ እቶም ሲቪላውያን ዝተቀትሉ ከቢድ ብረት ኣብ ኣባይቶም ብምውዳቁ'ዩ። ንሶም ወሲኾም እቲ ጎንጺ ሎሚ ረቡዕ'ውን ቀጺሉ ከምዝወዓለን ድምጺ ተኹሲ ይስማዕ ምንባሩ ብሰንኪ እዚ ድማ ካብ ኣባይቶም ክወጹ ዘይምኽኣሎም ይዛረቡ።

ብዛዕባ እዚ ካብ ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢን ሆስፒታልን ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰለጠን። ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን መንግስቲ'ቲ ክልል ኣብ ቀረባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ገጹ ፈይስቡክ ኣብ ዘውጽኦ መግ ጺ ሕጊ ናይ ምኽባር ተግባር ሓይሉ ክቅጽል እዩ ምባሉ ይዝከር። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዝተፈለለየ እዋን ብረታዊ ጎንጽታት ንህይወት ሲቪላውያን ሰባት ኣብ ሓደጋ ምውዳቁ ክገልጽ ጸኒሑእ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG