ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማልያን ዝተፈጥረ ግጭት ደው ክብል መንግስቲ ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ" ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ


ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ
ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ

ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ክልላት ኦሮምያን ሶማልያን ተዳወብቲ ወረዳታት ዝተፈጥረ ግጭት ንምኽልኻል መንግስቲ ስጉምቲ ይወስድ አሎ ክብሉ ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ግጭት ኢድ ዘለዎ ዝኾነ ይኹን ተሓተቲ ክኾኑ’ዮም ክብሉ ምዝራቦም ብመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ጠቂሶም አለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ፕረዝደንትታት ክልቲኡ ክልላት ንዝወረደ ጉድኣት ጓሂኦም ገሊጾም እዚ ኽከውን የብሉን‘ውን ኢሎም።

እቶም ፕረዚደንታት ክልላት ኦሮምያን ሶማሊያን ብሓባር ኾይኖም ኣብ ዝሃብዎን ኣብ ማህበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ፌስ ቡክ ናይ ፈደራል መንግስቲ ቤት ዕዮ ኮሚኒኬሽን ኣብ ዝተዘርገሓ ቪድዮ ነዚ ክዛረቡ ተሰሚዖም አለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG