ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣውሮጳ ዑደት ዘካይዱ ፕረዚደንት ቻይና ናብ ሰርብያ ይበጽሑ


መራሒ ቻይና ሺ ጂንፒንግ ኣብ ሰርብያ ምብጻሕ የካይዱ ኣለዉ። ሎሚ ረቡዕ 8 ግንቦት 2024 ምስ ሰበ- ስልጣን ሰርብያ ዝተራኸቡ ፕረዚደንት ሺ፡ ምስታ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ንምኳን ትሓይትት ዘላ ሃገረ ባልካን ዘለዎም ዝምድና ክሕይል ተስፍኦም ገሊጾም'ለዉ።

ኣቐዲሞም ኣብ ፈረንሳ ዑደት ዘካየዱ ፕረዚደንት ሺ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ፈረንሳ ኣብ ጉዳይ ግድን ወታሃደራዊ ወፍሪ ሩስያ ኣብ ዩክሬን ምዝርራቦም ተሓቢሩ'ሎ።

ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ ነቲ ኣብ ኣውሮጳ ዘካይድዎ ዘሎ ዑደት ቐጺሎም ሎሚ ኣማስይ ኦም ናብ ሃንጋሪ ከምዝበጽሑ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG