ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ኢትዮጵያ ክሳብ የመን ሕማም ንፍዮ ይውስኽ ኣብ ዘለሉ ሕጂ እዋን ንቆልዑ ዝያዳ ኣብ ሓደጋ የውድቕ


የመን፣ ህንድን ኢትዮጵያን ብዝኸፍአ ደረጃ ብሕማም ንፍዮ ይጥቅዓ ካብ ዘለዋ ሃገራት ዓለም እየን። ስሩዕ ክታበታት ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ምትዕንቓፉን ቁጽሪ በቲ ሕማም ይትሓዙ ዘለው ሰባት ይውስኽ ብምህላው ህፁፅ ስጉምቲ ክውሰድ ክኢላታት ጥዕና ይፅውዑ ኣለው።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐስ ህፃናት ኣድሕን(ሴቭ ዘ ችልድረን) ዝሰርሕ ዓብዲሪዛቅ ኣሕመድ ደቂ መሳርሕቱ ዝኾኑ ክልተ ቆልዑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብሕማም ንፍዮ ከምዝሞቱ ብምሕባር ኢትዮጵያ ምስ ንፍዮ ንምቅላስ ትገብሮ ፃዕርታት ህፁፅ ምዃኑ ይሕብር። እቲ ሕማም ካብ ኣፍሪቃ ክሳብ ህንዲን ከምኡ እውን ኣብ ብሪጣንያን ዳግማይ ይረኣ ኣሎ።

"ክልቲኦም ቆልዑ 13ን 14ን ኣዋርሕ ከይመልኦም እዮም ብሓፂር ተቖፂዮም። ዘሰንብድ እዩ" ዝበለ ዓብዲሪዛቅ ኣብ 2023 ኣብ ኢትዮጵያ 10,000 ህፃናት ብንፍዮ ዝሓመሙ ምምዝጋቦም ይገልጽ። ብመሰረት ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም እዚ ካብ የመን፣ ኣዘርባጃን፣ ካዛኪስታንን ህንድን ቀፂሉ እቲ ዝለዓለ ቁፅሪ እዩ።

ኣብ 2020ን 2021ን ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ መላእ ዓለም ነቲ ስሩዕ ክታበት ብምትዕንቓፉ ዝበዝሑ ኣብ ትሑት አታዊ ዘለወን ሃገራት ዝርከቡ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ቆልዑ ካብቲ ዑረት፣ ኒሞኒያን ሞትን ከስዕብ ዝኽእል ተመሓላላፊ ሕማም ንፍዮ ብዘይመከላኸሊ ተሪፎም። ዓብዲሪዛቅ ናይቲ ትካል ከባቢያዊ ዳይሬክተር ኮይኑ ካብ ዝሰርሐላ ከተማ ጂጂጋ ንቶምሶን ሮይተርስ ፋውንደሽን ብስልኪ ኣብ ዝሃቦ ቃል "በቲ ብቐሊሉ ምክልኻል ዝክኣል ሕማም ዝሞቱ መብዛሕቲኦም ቆልዑ እዮም’’ ይብል።

ክኢላታት ጥዕና ኣብ ሓደ ወለዶ እቲ ዝዓበየ ንድሕሪት ዝተመለሰ ኢሎም ዝፀውዕዎ መብዛሕቲአን ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ 51 ሃገራት ዝዓበየ ምስፍሕፋሕ ሕማም ንፍዮ ተራእዩ እዩ። እናገደደ ከምዝኸይድ እውን ይእመን።

ብመሰረት ካብ ናይ ኣመሪካ ማእኸላት ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማም ንቶምሰን ሮይተርስ ፋውንደሽን ዝተወሃበ ሓበሬታ ኣብ መፋርቕ 2024 ልዕሊ ፍርቂ ሃገራት ዓለም ማለት እውን ኣብ ኣስታት 105 ሃገራት ንሓደጋ ለበዳ ንፍዮ ዝተቓልዓ እየን።

ንፍዮ መብዛሕቲኡ ግዜ ዝለዓለ ሙቐት፣ ስዓልን ቁስልን የስዕብ። ኣብ ነፍሰ-ጾራት ንምንጻል ጥንሲን ብዘይመዓልቲ ዝውለድ ዕሸልን የቓልዕ። ብኣንጻሩ ኣብ ከም ኣመሪካን ኣውሮጳን ሓዊሱ እቲ ሕማም ኣብ ዝጠፍኣለን ሃገራት ዝርከቡ ወለዲ ንደቆም ከኽትቡ ኣይመርፁን።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣብ ኣውሮጳ እቲ ለበዳ ኣብ 30 ሃገራት ብዕፅፊ ወሲኹ ኣሎ። ነቲ ሕማም ኣብ 2017 ዘጥፍአት ብሪጣንያ ክታበታት ብዘይምውሳድ ይሰፍሕ ንዘሎ ሕማም ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል ብዝለዓለ ኣብ ምንቅስቓስ ትርከብ።

ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህፃናት(UNICEF) ላዕለዋይ ክኢላ ክታበት ኒኮላስ ዳኒኤልሰን ኣብ ዙሪያ ክታበታት ኮቪድ-19 ዝተዘርግሐ ጌጋ ሓበሬታ ኣብ ክታበታት ዘሎ እምነት ክሽርሸር ገይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል።

"ኣብ ውሽጢ እቲ ህዝቢ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣቢሉ ክታበታት ኮቪድ-19 ውሑስ ኣይኮነን ዝብሉ ቤላቤሎውን ግጉይን ሓበሬታ ይፍኖ ነይሩ።"

ንፍዮ ብኽልተ ክታበታት ምክልኻል ዝክኣል ሕማም እዩ። ይኹን ድኣምበር ኣብ ዙሪያ ዓለም ኣብ 2022፡ 22- ሚሊዮን ቆልዑ ናይ መጀመሪያ ክታበቶም ኣይወሰዱን። ካልኦት 11-ሚሊዮን ድማ ካልኣይ ክታበቶም ኣይወሰዱን።

ስርዓተ ጥዕና ኣፍሪቃ ብሰንኪ ሕፅረት ገንዘብን ሓይሊ ሰብን ብፍላይ ድማ ብግጭት፣ ደርቂ፣ ውሕጅን ሕፅረት ኣመጋግባን ትጥቃዕ ኣብ ዘላ ኢትዮጵያ ቆልዑ ንቀተልቲ ተመሓላለፍቲ ሕማማት የቓልኦም ኣሎ ክብሉ ጉጅለታት ረድኤትን ክኢላታት ጥዕናን ይሕብሩ።

ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ላዕለወይቲ ክኢላ ንፍዮ ናታሻ ክሮውክሮፍት ንመጻኢ ኣብ ዘጋጥም ለበዳ ኣብ ክንዲ ምትኳር ነቲ ድሮ ውፅኢታዊ ዝኾነ ክታበት ከም መፍትሒ ምርኣይ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ትብል።

ምስፍሕፋሕ ንፍዮ ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል ዓለምለኸ ፃዕርታት ይሳለጥ ኣሎ። ቡርኪናፋሶ፣ ካምቦዲያን ቻድን ሓዊሱ ኣብ 15 ሃገራት ን38.5 ሚሊዮን ቆልዑ ክታበት ንምሃብ ፃዕርታት ይካይዱ ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG