ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዛዚ ሰራዊት ኬንያ ጀነራል ፍራንሲስ ኦጎላ ብሓደጋ ሞይቱ


ዋm
ዋm

ኣዛዚ ሰራዊት ኬንያ ጀነራል ፍራንሲስ ኦጎላ፣ ሎሚ ሓሙስ ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ምስ ትሽዓተ ካልኦት ሰባት ከምዝሞቱ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣፍሊጦም።

ሎሚ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ እቶም ፕረዚደንት "እዛ ዕለት’ዚኣ፣ ንኬንያ ከቢድ ጊዜ እዩ" ክብሉ ገሊጾምዎ። ፕረዚደንት ሩቶ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ "ወላዲት ሃገርና፣ ሓደ ተባዕ ጀነራል ከሲራ ኣላ፣ ሞት ጀነራል ኦጎላ ብሕልፊ ንዓይ ዓብዪ ኪሳራ እዩ" ኢሎም።

ኣዛዚ ሰራዊት ኬንያ ጀነራል ፍራንሲስ ኦጎሎ፣ ኣብ’ታ ሄሊክፕተር ምስ ካልኦት 11 ወትሃደራዊ መኮንናት ከምዝነበረ’ውን ዝመጸ ዜና ጠቂሱ ኣሎ።

እታ ሄሊኮፕተር፣ ብግስ ምስበለት ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት’ታ ሃገር ተሓምሺሻ ከምዝተባረዐት፣ ሚድያታት’ታ ሃገር ገሊጸን ኣለዋ። ኣብ’ታ ሄሊኮፕተር ዝነበሩ ክልተ ሰባት ካብ ሞት ኣምሊጦም ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG