ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈላመይቲ መጽሓፍ ፍሉጥ ደራሲ ደበሳይ ወልዱ ተመሪቓ


ፈላመይቲ መጽሓፍ ፍሉጥ ደራሲ ደበሳይ ወልዱ ተመሪቓ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:49 0:00

ፈላመይቲ መጽሓፍ ፍሉጥ ደራሲ ደበሳይ ወልዱ ተመሪቓ

ህቡብ ደራሲ ፊልምን ድራማን ደበሳይ ወልዱ ዝጸሓፋ ፈላመይቲ መጽሓፍ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ተመሪቓ `ላ።

ደበሳይ ወልዱ ናብ ምጽሓፍ ቀይርዋ ዘሎ ፡ እታ ኣብ 2001 ብመልክዕ ሬድዮ ድራማ ትፍለጥን ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ዝነበራን `ወይዘሮ ትዕበ` ትብል ድራማ`ያ።

ከም በዓል `ኳና`: ማጨሎ`: `ጸጸር`: `ህይወት` ዝበላ ዓበይቲ ፊልምታት ብምድራስ ዝፍለጥ ደበሳይ፡ ንምንታይ ንድራማ `ወይዘሮ ትዕበ` ኣብ መጽሓፍ ከስፍራ ደልዩ ዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ፡ እቲ ኣብ ህዝቢ ዝነበረ ጦብላሕታ እናሃሰሰ ከይከይድ፡ እቲ ነታ ድራማ ዘይተኸታተላ ከኣ ተቛዳሲ ንክኸውን ብዝብል ምዃኑ ተዛሪቡ`ሎ። " ነታ ድራማ ክትጽብቕ ዝገበራ እቲ ትሕዝቶኣ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቶም ኣብኣ ዝተዋስኡ ፍሉጣት ተዋሳእቲ`ዮም" ብምባል ንወይኒ ገረዝግሄር፡ ናጽነት ተስፋማርያም፡ ሳሙኤል ኣዶናይን ካልእን ይዝክር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG