ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቦልት: ኣብ 3 ተኸታተልቲ ኦሎምፒካት 3 ተኸታተልቲ ወርቂ መዳልያታት ይሓፍስ


" ኣብ ዓለምና ዝቐልጠፈ ሰብ" ተባሂሉ ዝግለጽ ጃማይካዊ ኡስያን ቦልት ኣብ ሰለስተ ተኸታተልቲ ኦሎምፒካት ሰለስተ ተኸታተልቲ ወርቂ መዳልያታት ብምጭባጥ ታሪኽ ሰሪሑ።

ጃማይካዊ ኣትለት ኡስያን ቦልት ኣብ ሰለስተ ተኸታተልቲ ውድ ድራት ኦሎምፒክ ኣብ ናይ 100 ሜትሮ ጉያ ሰለስተ ተኸታተልቲ ወርቂ መዳልያታት ብምጭባጥ'ዩ መዘና ዘይተረኽቦ ታሪኽ ሰሪሑ። ቦልት: ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሎምዘበን ኦሎምፒክ ሪዮ 2016 ኣብ ዝተሰርዓሉ ሰለስተ ውድድራት'ውን "ሰለስተ ወርቂ መዳልያ ክሓፍስ'የ " ኢሉ ኣቐዲሙ ኣሚቱ'ሎ።

መዓስ እዚ ጥራይ: ኣብ ናይ ሎም ዘበን ውድድራት ኦሎምፒክስ 2016: ኣብ ተመሳሳሊ ናይ 100 ሜትሮ ጉያ ኣብ ምድብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሕጂውን ጃማይካዊት ኢለን ቶምሶን ትማሊ ቀዳም ወርቂ ብምዕታር ማዕረ ኡስየን ቦልት ኣብ ሰለስተ ተኸታተልቲ ውድድራት ኦሎምፒክ 2 መዳልያታት ወርቂ ዝሓፈሰት ጓል ኣንስተይቲ ተቐዳዳሚት ናይ 100 ሜትሮ ጉያ ኮይና ኣላ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ: ኣመሪካዊ ሓምባሳይ ማይክል ፈሊፕስ ኣብ ዝሓለፈ 4 ውድ ድራት ኦሊምፒክ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ መዳልያ ዝተሰለመ ኣትለት ብምዃን ናይ ሎም ዘበን ዝተሰርዐሉ ውድ ድራት ኦሎምፒክ ሪዮ 2016 ዛዚሙ'ሎ።

ንሱ ኣብ ዝሓለፈ 4 ውድ ድራት ኦሎምፒክ 28 መዳልያታት ካብኣቶም እቶም 23 ወርቂ መዳልያታትዩ ሓፊሱ።

ማይክል ፈሊፕስ ኣብ መኽፈቲ ሳምንቲ: ኡስያን ቦልት ድማ ነዚ ካልኣይ ሰሙን ኦሎምፒክ ሪዮ ብቕያታቶም ንጸብጻባት ስፖርት ዓብሊሎሞ ይርከቡ።


ማይክል ፈሊፕስ ኣብ መኽፈቲ ሳምንቲ : ኡስያን ቦልት ድማ ነዚ ካልኣይ ሰሙን ኦሎምፒክ ሪዮ ብቕያታቶም ንጸብጻባት ስፖርት ዓብሊሎሞ ይርከቡ።

XS
SM
MD
LG