ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ምስ ሰብ-መዚ ቻይና ንምዝርራብ ናብ ቤይጂንግ ኣምሪሖም


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ ሰበ-ስልጣን ቻይና ንምዝርራብ ሎሚ ሰሉስ ናብ ቤይጂንግ ኣምሪሖም ።

ብሊንከን ንካልኣይ ግዜ ናብ ቻይና ዘምርሑ ዘለዉ ትካላት ቻይና ብቀጥታ ንኢንዱስትሪ ምክልኻል ሩስያ ኣድለይቲ ነገራት ብምልኣኽ ኣብቲ ሩስያ ኣንጻር ዩክሬን ተካይዶ ኲናት ይሕግዛ ኣለዋ ብምባል ኣመሪካ መጠንቀቅታ ኣብ ትህበሉ ኣብ ዘላ እዋን'ዩ።

ነዚ ምላሽ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ወንቢን ኣመሪካ "በቲ ሓደ ወገን ንዩክሬን ገዚፍ መጠን ሓገዝ ክወሃብ ውሳነ ተሕልፍ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣንጻር እቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ሩስያን ዘሎ ንቡር ምልውዋጥን ቁጠባንን ንግድን መሰረተ ኣልቦ ክሲ ተቅርብ፤ እዚ ዝለዓለ ደረጃ ግብዝነት እዩ ቻይና ከኣ ኣትሪራ ትቃወሞ" ኢሎም።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ ብሊንከን ኣብዚ ዑደቶም ጸረ-ናርኮቲክ ምሕያል ርክብ ሰራዊትን ኣብ ደሕንነትን ሓደጋን ሰብ- ሰርሖ ብልሒን ምሕያል ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ኣብ ዝብሉ ከምከምዝዘራረቡ ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ብሊንከን ነዚ ናይ ቻይና ዑደት ዘካይዱ ዘለው ሰሙናት ቅድሚ እቲ ሓድሽ ዝተመረጹ ፕረዚደንት ታይዋን ቃለ- ማሕላ ምፍጻሞም እዩ ። ኣመሪካ ናብቲ ሰነ-ስርዓት ቃለ ማሕላ ዝካፈል ሓደ ዘይወግዓዊ ጉጅለ ልኡኻት ክትሰድድ እያ። ብሊንከን ኣብ ወሽመጥ ወይ መጻብቦ ታይዋን ሰላምን ምርግጋእን ንክሰፍን ዘለዋ ድልየት'ውን ከስምሩሉ እዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG