ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ኣብ ቤይጂንግ ተራኺቡ:ተዘራሪቡ


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ኣብ በይጂንግ ምስ ፕረዚደንት ሺን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ቻይናን ተራኺቡ፡ ተዘራሪቡ። ብሊንከን ኣብቲ እዋን፡ ቻይናን ኣመሪካን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ጉዳያት ዝሰሓሓባ`ኳ እንተኾና ፡ ግጉይ መረዳእታን ግጉይ ቅመራን ክህሉ ኣይግባእን ኢሉ። ንፍልልያት ሓላፍነታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ምምሕዳሩ ከም ዝግባእ`ውን ተዛሪቡ። ብሊንከን ምስ ሺ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ቻይና ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ንሩስያ ዘለዋ ድጋፍ ከም ዘሻቕሎን ሩስያ ብዘይ ድጋፍ ቻይና ኣብ ኲናት ዩክሬን ክትቅጽል ከጸግማ ከም ዝኽእል ከም ዝገለጸሉ ሓቢሩ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ኣብቲ ናይ ቻይና ዑደቱ ብዛዕባ ታይዋንን ደቡባዊ ባሕሪ ቻይናን ከም ዘልዓለ`ውን ጠቒሱ። ቻይና ዘለዋ ጽልዋ ተጠቒማ፡ ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ርሕቐት ግጭት ከይተስፍሕ ክትመክር`ውን ተማሕጺኑ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG