ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ከኻትዕ ዝጸንሐ ሓገዝ ንዩክሬን ጸዲቑ


ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ከካትዕ ዝጸንሐ ሓገዝ ንዩክሬን ጸዲቑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:37 0:00

ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ከኻትዕ ዝጸንሐ ሓገዝ ንዩክሬን ጸዲቑ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ነቲ ኣብ ባይቶ'ታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ከካትዕ ዝጸንሐ ንዩክሬን ዝምልከት ወተሃደራዊ ሓገዝ ሎሚ ረቡዕ ክፍርመሉ ትጽቢት ኣሎ። እቲ ካብቲ ፕረዚደንት ባይደን ዝሓቶ ዝነበረ ገንዘብ ትሕት ዝበለ ማለት 95 ቢልየን ዶላር ዝዋግኡ ሓገዝ ንእስራኤል ታይዋንን ካልኦት መሻርኽትን`ውን ዘጠቓለለ`ዩ።

እቲ ካብ ዝሓለፈ ነሓሰ ጀሚሩ ክደናጎይ ዝጸንሐ ንዩክሬን ዝውሃብ ሓገዝ፡ ኣብ ኵናት ወራር ሩስያ ጽልዋ ከም ዘሕደረ`ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ሩስያ ቦታታት ዩክሬን ኣብ ምሓዝ ተደጋጋሚ ዓወታት ከተመዝግብ ጸኒሓ፡ ዩክሬን እዚ ሓዲሽ ረድኤት ኣጽዋራትን ተተኮስትን ተዋሂብዋ`ውን ቀልጢፋ ሓይላ ትመልስ ኣይትመስልን።

ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ንዩክሬን ዝምልከት ገንዘብ ቀልጢፉ ከሰጋግሮ ትጽቢት ይግበር፡ካብቲ ንዩክሬን ተመዲቡ ዘሎ 61 ቢልየን ዶላር እቲ ሓደ ቢልየን ወተሃደራዊ ሓገዝ ብምስዳድ ክጅምር`ዩ።ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ እዚ ሓገዝ ጸረ-ነፈርትን መዳፍዓትን ድሩዓት መካይንን ካልኦት ኣጽዋራትን ዘጠቓለለ`ዩ። ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን፡ ዓወት ኣብ ልዕሊ ዓወት ክዓትር ሰለዝጸንሐ፡ ኣብ ሓይልታት ዩክሬን ናይ ሞራል ምውራድ ከም ዝጸንሐ ይግለጽ።

ላዕላዋይ ባይቶ ኣመሪካ ማለት ሰነት ነቲ ዓንቀጽ፡ ሕጊ ትማሊ ሰሉስ ምስ ኣጽደቖ፡ ባይደን ሎሚ ናብ ጠረጴዝኡ ምስ በጽሐ ብእኡ ንብእኡ ከም ዝፍርመሉ ኣፍሊጡ`ሎ። ባይደን ኣብ ዘረብኡ “ መሓዙትና ኣንጻር ከም ሓማስ ዝበሉ ግብረሽበራዊያንን ከም ካብ ፑትን ዝበሉ ረገጽትን ነብሶም ኣብ ዝከላኸልሉ እዋን፡ ክንሕግዞም ከለና ንሃገርናን ዓለምናን ዝሓሸ ውሕስነት ስለንህብ እዚ ዓንቀጽ ሕጊ ኣዝዩ ኣገዳሲ`ዩ" ኢሉ።

እንተኾነ ንኣዋርሕ ምብራቓዊ ቦታታት ክትከስርን ሰፊሕ ትሕቲ ቅርጺታታ ክዓኑን ዝጸንሐ ዩክሬን ፡በዚ ሕጂ ዝውሃብ ሓገዝ ኣመሪካ ክትሓዊ ትኽእል እንተኾይና ርግጸኛ ምዃን ኣይክኣልን`ዩ።

ወሃቢ ቓል ሃገራዊ ጸጥታ ዋይት ሃውስ ጆን ከርቢ ብዛዕባ`ተን ብሩስያ ዝተታሕዛ ምብራቓዊ ከባብታት ዩክሬን ክዛረብ ከሎ “ኣብ ናይ ዩክሬን ዞባ ዶንባስ ኮነ ካልኦት ከባብታት ዩክሬን ብኡ ንብኡ ዘሐጉስ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ኣይኮነን” ይብል። እቲ ከባቢ ድማ ኢንዱስትሪያዊ ትርግታ ልቢ ዩክሬን ክኸውን ከሎ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኸስረ`ዩ። ንሱ ኣስዒቡ “ ሚስተር ፑትን ብግዜ ክጻወት ከም ዝኽእል ስለዝሓስብ ንሕና ድማ ነቲ ግዜ ተጠቒምና ማልና ክነምልስ ክንፍትን ኣለና “ ኢሉ።

ሩስያ ሕጂ ናብ ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ዩክሬን ካርኪቭ ትኹረታ ዝገበረት ትመስል። ሓይልታት ሩስያ ኣብታ ከተማ ዘሎ ሕጽረታት ጸረ-ነፈርቲ መዝሚዞም ኣብታ ከተማ ዘሎ ትካላት ጸዓት ከም ዘዕነውዎ ይግለጽ። ነቲ ዝረኸብዎ ዓወታት ንፖለቲካዊ ረብሓ ኣውዒሎም ድማ ኣብዚ ክረምቲ ነታ ከተማ ክቆጻጸርዋ ከም ዝደልዩ ይእመን።

ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ ማይክ ጆንሰን እቲ ንዩክሬን ዝወሃብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ዝፈቅድ ዓንቀጽ፡ ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ድምጺ ከይውሃበሉ ከናውሖ ዝጸንሐ፡ ነቲ ሓገዝ ብዝቃወሙ ወገናት ከምኡ እንተ ገይርካ ካብ ስልጣንካ ክነውርደካ ኢና ዝብል ምፍርራሕ ስለዝመጾ`ዩ። ብፍላይ ድማ ጽንፊ የማናውያን ዝብሃሉ ኣባላት ሪፓብሊካን ፓርቱ ዝኾኑ ናይ ጆርጅያ ማርጆሪ ተይለይ ግሪን ከምኡ ድማ ካብ ከንታኪ ዝተወከለ ቶማስ ማሲየ፡ ንዩክሬን ተወሳኺ ሓገዝ ክግበር ዝሓትት ድምጺ እንተቐሪቡ ክነውርደካ ኢና ዝብል መጠንቀቕታ ከስምዑ ጸኒሖም`ዮም።

ኣብ ሰነት መራሒ ሪፓብሊካን ዝኾነ ሚች ማኮነል ግን እቲ ገንዘብ ሒዝካዮ ምድንጓይ ኣብቲ ዩክሬን ተስፋ ትገብረሉ ዓወት ነባሪ ዝኾነ ሕማቕ በሰላ ከስዕብ ይኽእል `ዩ ዝብል ሓሳብ የቕርብ ኔሩ።

ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ ድማ፡ ትራምፕ ዳግም ናብ ስልጣን እንተመጽዩ ንዩክሬን ኮነ ንኔቶ ዝውሃብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክንኪ`ዩ ዝብል ሻቕሎቶም ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።

ብራድሊ ቦውማን ተንታኒ ፖሊሲ ኣብ ፋውንደሽን ምክልኻል ደሞክራሲ ኣብ ዝቕጽል፡ ዩክሬን ኮነ መሓዙታ ተስፋ ጌረናሉ ዘለዋ፡ ተወሳኺ ከተማታት ከይትሓዛን ናህሪ ሓይልታት ሩስያ ክዝሕልን ምግባር`ዩ። እቲ ትጽበዮ ዘላ ተወሳኺ ኣጽዋራት ምስ መጻ ድማ ኣብ 2025 መሬታ ክተምልስ ዳግመ መጥቃዕቲ ንኽትገብር`ዩ ይብል። ንሱ ወሲኹ “ ቅልጡፍ ውጽኢት ምጽባይ ዝክኣል ኣይመስለንን፡ ንዩክሬን ምድጋፍ ጠጠው እንተኢሉ ግን ዓወታት ሩስያ ርጉጽ ክኸውን `ዩ” ይብል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG