ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ንኲናት ዩክሬን ኣብ ዋዕላ ሕ/ሃ ኮኒኖም


ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ዘስምዕዎ መደረ ብምኽንያት ምውራር ዩክሬን ንፕረዚደንት ሩስያ ኣብ ምኹናን ዘተኮረ`ዩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ነቲ ኲናት ዝያዳ ዘጋድድ ብናይ ኑክሌር ግብረ-መልሲ ድሕሪ ምፍርራሑ`ዩ።

“ብግልጺ ንምዝራብ ሓንቲ ቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ንጎረቤታ ወሪራ`ላ። ንሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ካብ ካርታ ክትስርዛ ትፍትን ኣላ።"

ባይደን ኣተሓሒዙ፡ ንፕረዚደንት ሩስያ ንገለ ክፋል ዩክሬን ናብ ሃገሩ ንምጽንባር ናይ ይምሰል ረፈረንደም ብምክያድ`ውን ይኸስስ።

መራሕቲ ሃገራት ዓለም ኣብ ኒውዮርክ ቅድሚ ምትእኽኻቦም ቅድሚ ሒደት ሰዓታት፡ ፕረዚደንት ሩስያ፡ ከፊላዊ ክተት ሰራዊት ብምእዋጅ፡ ኑክሌራዊ መጥቃዕቲ ናይ ምፍጻም ሻቕሎት`ውን ኣበጊሱ`ዩ።

“ብርግጽ ኩሉ ኣብ ኢድና ዘሎ ኣማራጽታት ክንጥቀመሉ ኢና፡ እዚ ድማ ንዘረባ ጥራሕ ንብሎ ዘለና ኣይኮነን።"

እዚ ናይ ፑትን መጠንቀቕታ ዝስማዕ ዘሎ፡ ሓይልታት ዩክሬን ብሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ብምድፋእ ገለ ብሩስያ ተታሒዙ ዝጸንሐ ቦታታት ድሕሪ ምምላሶም`ዩ። ናይ ዩክሬን ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብዝተቐረጸ ቪድዮ መልእኽቱ ናብ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ኣሕሊፉ ኔሩ።

"ኣንጻር ዩክሬን ሓደ ገበን ተፈጺሙ`ሎ፡ ስለዚ መቕጻዕቲ ጥራሕ ኢና ንጠልብ።"

ካብቲ 'ብኣካል ተረኺብካ ጥራሕ መደረ ምስማዕ' ዝብል ሕጊ ሕቡራት ሃገራት ናጻ ተገይሩ፡ ብቪድዮ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ዝተፈቐደሉ መራሒ ዩክሬን ጥራሕ`ዩ።

ብፑቲን ዝቐረበ ናህሪ ኲናት፡ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ብኲናት ተሻልችዮም ኣብ ዝነበርሉ ብሃንደበት ዝተሰምዐ`ዩ ዝመስል።

ደቪድ ቦስኮ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኢንድያና፡ ኣህጉራዊ መጽናዕቲ ዝምህር`ዩ፡፡ከምዚ ድማ ይብል፡“ብመንጽር ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ዩክሬን ኮነ ደገፍቲ ዩክሬን፡ ነቲ ግጭት ዝሓሸ ቆላሕታ ኣብ ምሃብ ዝሕግዝ ኣይመስለንን። ንሩስያ ድማ ዝያዳ ኣብ ምንጻላ(ምግላላ) ሳዕቤን ዝህልዎ`ዩ ይመስለኒ።"

ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ ናይ ትማሊ መደርኡ፡ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንምስፋሕ ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ`ሎ፡ እዚ ድማ ቀወምቲ ኣባላት ዝኾና ሩስያን ቻይናን ከምዝቃወምኦ`ዩ ይንገር።

“እዚ ምስፋሕ ባይቶ ጸጥታ፡ ነተን ንነዊሕ ግዜ ክንድግፈን ዝጸናሕና ሃገራት ቀዋሚ ወንበር ክወሃበን፡ ከምኡ`ውን ንሃገራት ኣፍሪቃ፡ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ቀዋሚ መንበር ክወሃበን ዘጠቓልል`ዩ”

ባይደን ኣብ ዘርብኡ፡ ንዓለማዊ ሕጽረት መግቢ ንምቅላል ናይ 2.9 ቢልየን ዶላር ረድኤት ኣስሚዑ`ሎ። ዝበዝሐ ክፋሉ ድማ ናብ ግሎባል ፈንድ ምክልኻል ኤይድስ፡ ዓባይ ሰዓልን ዓሶን ዝኸይድ`ዩ።

"እዚ ማለት፡ ንግሎባል ፈንድ ተወሳኺ 6 ቢልየን ዶላር ከበርክቱ ኣብ ኮንግረስ ምስ ዘለዉ መሻርኽትና ክንሰርሕ ኢና።”

ፕረዚደንት ባይደንን በዓልቲ ቤቱ ጂል ባይደንን ካብ ናይ ኒውዮርክ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ሓሙስ ናብ ዋሺንግተን ይምለሱ`ለዉ።

XS
SM
MD
LG