ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ምትፍናን ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ብዘተ ክዓርፍ ይጽውዕ


ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃማት - ፋይል
ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃማት - ፋይል

ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃማት ኣብ ኣከራኻሪ ወረዳታት ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝርአ ዘሎ ምትፍናንን ተኽእሎታት ጎንጺን ዘለዎ ስክፍታ ብምግላጽ ብህጹጽ ተጻብኦታት ክቋረጽ ጸዊዑ።

ከም ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ምስ ክልል ትግራይ ዘዳውብ ከተማታት ኣላማጣ፡ ራያ-ኣላማጣ፡ ዛታን ኦፍላን ኣስታት 50-ሽሕ ተወላዶ ኣምሓራ ዝዀኑ ህዝቢ ካብ መንበሪኦም ከም ዝተመዛበሉ ይሕበር።

ኮሚሽነር ማሃማት ኣብቲ ሎሚ ዓርቢ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ክልቲኦም ወገናት ንሲቪላውያን ዜጋታት ከቕድሙን ካብ ዝተሓደሰ ምምዝባል ህዝቢ ከድሕኑን ጸዊዑ። መግለጺ ኮሚሽነር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ክልተ ኣካላት ፍልልያቶም ብዘተ ክፈትሑ ተማሕጺኑ።

ኣብ ቀረባ ሰሙናት ብዝተፈጥረ ምትፍናን ክልተ ወገናት ንሓድሕድ ክካሰሱ ምጽናሖም ይዝከር።

ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልል ትግራይን ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ዝገብሮ ጻዕሪ ኣየሰመረን። እቲ ዝብሃል ብናጻ ወገን ንምርግጋጹ ከም ዘይከኣል’ውን ኣመልኪቱ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG