ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነዳዲ: ዓንዲ ኩርናዕ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣንጎላ


ኣንጎላ ታሪኻዊ ዝኾነ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ንምኽያድ ትዳለው አላ፡ እዚ ማለት ፕረዝደንት ጆስ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ ድሕሪ 38 ዓመታት ካብ መዝነቶም ክወርዱ እዮም ማለት’ዩ። እንተኾነ ብዙሓት ትኹረቶም ኣብ ምርጫ ዘይኮነ ኣብቲ ብመንግስቲ ዝመሓደር ሃብቲ’ታ ሃገር ዝኾነ ነዳዲ እዩ። እዚ ቀንዲ ምንጪ እታ ሃገር ዝኾነ ብሶናጎል ዝፍጠት ነዳዲ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ሓድሽ መሪሕነት ክትዕወት ወይ ከይትዕወት መምዘኒ’ዩ ዝብሉ ወገናት’ውን ኣለው።

እቲ ክልተ ዙር ምርጫ ኣብ መንጎ ናይታ ሃገር ነዊሕ እዋን ዝጸንሓ ገዛኢ ፓርትን ተቓዋሚ ፓርትን እዩ። ኣብዚ ምርጫ ዝተዓወተ ፓርቲ ድማ መጻኢ ናይታ ፍርቂ ካብ ቁጠባኣን ልዕሊ 95 ሚእታዊት ካብ ሰደድን ኣብ ነዳዲ ዝውከል ሃገር ክቕበል’ዩ።

ብዙሓት ፕረዝደንት ጆስ ኤድዋርዶ ካብ መዝነቶም እንተወሪዶም ነቲ ብናይ ኣፍሪቃ ዝሃብተመት ጓል ኣንስተይትን ጓል ፕረዝደንት ጆስ ዝውነን ሶናጎል ዋንነትን ኩነታት እዛ ብነዳዲ ሃብታም ሃገርን ይሓቱ። መልሲ ግን ይፈላለይ ምክንያቱ ኣብ 2016 ዓ.ም ሶናጋል ጽሩይ 68 ሚልዮን መክሰብ ምርኻቡ ዝገልጽ ሪፖርት ኣውጺኡ ኔሩ።

ከም ኣሌክስ ቪኒስ ዝአመሰሉ ሰብ ሞያ ንምርግጋእ እቲ ናይ ነዳዲ ኩባንያ ንኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ ዘመስግኑ ዓወት እቲ ኩባንያ ንምዕቓን አጸጋሚ ምኳኑ ይሕብሩ።

“እቲ ክውንነት ብዙሕ ምጉዳል ዋጋ ኔሩ፡ ብዙሕ ምውህላል ገንዘብ’ውን ኔሩ። እንተኾነ ዋጋ እቲ ቀንዲ ንብረት እቲ ኩባንያ ግን የንቆልቁል ኣሎ። ብናተይ ትዕዝብቲ ካብ ናይ 2015ን 2016 ዓ.ም. ዋጋ እቲ ኩባንያ ብ360 ሚእታዊት ጎዲሉ’ዩ።

ንመንግስቲ እታ ሃገር ብምንቓፍን ዝፍለጡን ኣብ ምርመራ ጋዜጠኛነት ንነዊሕ እዋን ዝሰርሑ ሩፋኤል ማርከስ እቲ ኩባንያ ንናይ ውሽጢ ሃገር ልቓሑ ከምዘይኸፈለ ጭብጢ ከምዘለዎም ይሕብሩ።

ፕረዝንደታዊ ምርጫ ኣንጎላ ነሓሰ 23,2017 ኽካየድ እዩ።

XS
SM
MD
LG