ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አምስቲ ኢንተርናሽናል - ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰብአዊ መሰላት ይግህሳ'ለዋ


ጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምስቲ ኢንተርናሽናል ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት መንግስታት ብዝምልከት ዓመታዊ ፀብፃቡ ኣውፂኡ’ሎ።

እቲ ጉጅለ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ክልቲአን ሃገራት ይፍፅምኦ እየን ዝበሎ መግሃስቲ ገሊፁ’ሎ።

ኣብ ኣምስቲ ኢንተአርናሽናል ሓላፊት ጉዳያት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝከታተል ክፍሊ ክለየር በስተን ሎሚ ን'ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ከም ዝበለኦ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብአዊ መሰላት ኣዝዩ ጽንኩር'ዩ ኢለን።

ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኸአ ሚስ ክለየር በስተን ገዛኢ ፓርቲ ኢህወደግ ኣብቲ ናይ ዓሚ ምርጫ ዝሰዓረ ብምፍርራህ መሰላት ብነፃ ምእካብን ብማሕበር ምውዳብን ብምድራት ምንቅስቃስ ሰብአዊ መሰላትን ነፃ ፕሬስን ብፅኑዕ ዝድርቱ ሕግታት ተግባራዊ ኣብ ዝኾነሉ'ዩ ኢለን።

ሙሉእ ፀብፃብ ጠዊቅኩም ስምዑ።

XS
SM
MD
LG