ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጎንደር ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ዕጡቓት ፋኖን ብዝተኻየደ ውግእ 5 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


ከተማ ጎንደር - ፋይል
ከተማ ጎንደር - ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ደቡብ ጎንደር ቀበሌ ኣጎና ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት መንግስቲን ብዝተኻየደ ውግእ ሓሙሽተ ሰላማዊያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ቤተሰብ ግዳያትን መሰኻኽር ዓይኒን ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ወሲኾም 15 ኣባይቲ ከምዝተቃጸሉ’ውን ሓቢሮም።

ግብረ መልሲ ዝምልከቶም ክልላዊን ፌደራላዊን ሰበ-ስልጣን ንምርካብ ዝተኻየደ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሰላማዊያን ሰባት ይቀትል ኣሎ ንዝብል ተደጋገምቲ ሓበሬታታት ከምዝነጸግዎ ዝዝከር እዩ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት’ታ ሃገር "ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ይቅጽሉ ዘለው ውግኣት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ጉድኣት የውርዱ ኣለው፣ ስለዚ ሰላማዊ መዕለቢ ይገበረሎም" ዝብል ተደጋጋሚ ለበዋታት ምቅራቡ ዝዝከር እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG