ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ኣብ ከተማ ኣምቦ ብዝተኮሶ ጥይት ቁጽሪ ዝሞቱን ዝቆሰሉን ምውሳኹ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራባዊ ክልል ኦሮምያ ከተማ ኣምቦ ሰራዊት ምኽልኻል ብዝኸፈቶ ተኹሲ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 12 ምኳኑን ዝቆሰሉ ድማ 29 ምብጽሑ ተገሊጹ’ሎ።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ካብቶም ዝሞቱ ሽዱሽተ ሰባት ሎሚ ኣብ ከተማ ኣምቦ ከምዝተፈጸመ ነበርቲ ገሊጾም።

ትማሊ ኣብ ምዕራባዊ ክልል ኦሮምያ ከተማ ኣምቦ ካብ ሰራዊት ምኽልኻል ብዝተኸፈተ ተኹሲ ቁጽሪ ዝሞቱ ናብ 12 ክብ ምባሉን ቁጽሪ ዝሞቱ ድማ ናብ 29 ምብጽሑ ተገሊጹ።

እቶም ቁሱላት ኣብ ናይ ውልቂ ክሊኒክ ይሕከሙ ከምዘለው ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኼሽን ከተማ አምቦ አቶ ጋዲሳ ደሳለኝ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ከተማ ቡሌ ሆራ ትማሊ ሓሙስ ምሸት በኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት 4 ተኹሲ ከቢድ ብረት ከምዝነበረ ነበርቲ ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG