ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ኣምሓራ "ራብዓይ ዙር ወራር ተፈጺሙኒ" ክብል ንህወሓት ከሲሱ


Amhara Region
Amhara Region

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ህወሓት ክብል ዝጸውዖ ዕጡቅ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ክልልን ህዝብን ኣምሓራ ንራብዓይ ግዜ ብወግዒ ወራር ፈጺሙ ክብል ከሲሱ።

መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ወራር ንስምምዕ ፕሪቶርያ ሙሉእ ብሙሉእ ዝጠሓሰ እዩ ይብል። "ወራር ፈጺሙ" ዝተባህለ አካል ካብ ዝሓዞ ከባቢታት ይውጻእ ዝብል መግለጺ'ቲ ክልል እዚ ምስ ዘይከውን ግን እቲ ክልል ንሃገር ካብ ምፍራስን ንህዝቢ ካብ መጥቃዕቲ ምድሓንን ክግደድ'ዩ ክብል ኣጠንቂቁ።

ህወሓት ተማሃሮ ክልል ኣምሓራ ዝመሃርሉ መጽሓፍ ጠንቂ ብምግባር ብካቢነ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቢሉ ወግዓዊ ኵናት ኣዊጁ'ዩ ዝብል መግልጺ ክልል ኣምሓራ ንዝቐረቡ ናይ ሰላም ኣማራጺታት ብምግዳፍ ሕቶ መንነት ኣብ ዝለዓሎም ራያ አላማጣ፡ ራያ ባላ፡ ኦፍላ፡ ኮረምን ዛታን ከባቢታት ወራር ፈጺሙ'ሎ ክንብል ኣፍሊጡ'ሎ።

ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ካብ ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰለጠን፤ ምስ ኣመሓዳሪ ደቡባዊ ክልል ትግራይ ኣቶ ሃፍቱ ኪሮስ ንምዝርራብ ዝተኻየደ ፈተነ እውን ንግዚኡ ኣይሰለጠን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG