ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወላዶ ኣምሓራ ንድሕነቶም ክብሉ ካብ ኣላማጣ ሃዲሞም፡” ግዜያዊ ምምሕዳር ኣላማጣ


ኣላማጣ
ኣላማጣ

ግዜያዊ ምምሕዳር ከተማ ኣላማጣ፡ በቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ክልል ትግራይን ሚሊሻ ክልል ኣምሓራን በብእዋኑ ዝካየድ ዘሎ ምልውዋጥ ተዅሲ ሰጊኦም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወላዶ ኣምሓራ ንድሕነቶም ንቖቦ ምእታዎም ኣመልኪቱ። ብሰንኪ እቲ ስግኣት፡ ምምሕዳር ኣላማጣ’ውን ከም ዝገዓዘ እቲ ግዜያዊ ምምሕዳር ንድምጺ ኣመሪካ ኣካፊሉ። ምኽትል ፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝዀነ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ሎሚ ሰሉስ ንማዕከናት ዜና ክልል ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝላባዕ ዘሎ ወረ ንምርካቡ ከም ዘጸግም ብምጥቃስ፡ እቲ ጉዳይ ብፈደራል መንግስቲ ተታሒዙ ምህላዉ ጠቒሱ። ንምምላስ ተመዛበልቲ ድማ ብምርድዳእን ነቶም ተመለስቲ ኣብ ሓደጋ ብዘየእትዉን መንገዲ ክገብሩዎ ከም ዝመርጹ ሌ/ጀነራል ታደሰ ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ። ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ’ውን፡ ኣብቲ ጉዳይ ክልቲኦም ኣካላት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይዘራረቡ ምህላዎም ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ጠቒሱ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG