ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጽልዋ ምሩጽ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ እንታይ እዩ?


ፖሊሲ ምሩጽ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንዕዳጋን ንግዲን ዓለም ብኸመይ ይጸልው ዋና ትኹረት ብዙሓት እንተኾነ’ዃ ኣብ ኣፍሪቃ’ኸ እንታይ ጽልዋ ኽህልዎ እዩ’ውን ካብ ዝለዓሉ ዘለዉ ዛዕባታት ሓደ እዩ። ገለ ተንተንቲ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ንገለ መራሕቲ ኣፍሪካ ናብ ዓቓባዊ ማህበራዊ ፖሊሲ ክህልዎም ከለዓዕል እዩ ይብሉ።

ብርግጽ ገለ ብውጽኢት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ 2016 ክሕጎሱ ኸለው ገለ ዝሻቀሉ’ውን ኣለው ገለ እዋን ማንም ይመረጽ ኣየገድስን እዩ ዝብሉ እዋን ኣይተሳዕኑን። እንተኾነ ግን ርእይቶ ውልቀሰባት ብዘየገድስ ኣፍሪቃዊያን ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ብፖለቲካ፡ ብኢኮኖሚን ብማህበራዊ መዳይ ብኸመይ ከምዝጸልዎም ንገዛእ ርእሶም ይሓቱ ኣለው?

ቦታንጋ ማርክ ኢሰስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣቢጃን ኣይቨሪኮስት ተንታኒ ፖለቲካ እዮም። ንሶም ኣብ 2000 ዓ.ም ዝተደንገገ ውሳኔ ልምዓትን ዕድላትን ንኣፍሪካ ደጊም ናብ ደረጃ ዘተ ክምለስ እዩ ይብሉ።

ንሶም ብተወሳኺ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ዝጸንሐ ስምምዓት ንግዲ ብዝምልከት ኣብ ጉዳይ ውሳኔ ልምዓትን ዕድላት ንኣፍሪካ ንኣሜሪካ ብኣሉታ ይጸልዋ’ዩ ዝብሉ መጽናዕትታት ክወጹ ምጽንሖም ብምግላጽ ሕጂ ዝኾነ ነገር ከጋጥም ይኽእል እዩ ይብሉ። ሚስተር ማርክ ኢሰስ ብተወሳኺ ዶናልድ ትራምፕ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ኮይኖም እንተተመሪጾም ንኹሎም ኣሜሪካ ንዝኸተመቶም ዓለምለኸ ስምምዓት ዳግመ ግምት ከምዝገብርሉ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም ስልጣን ምስሓዙ ድማ ነዚ ከተግብሩ ይኽእሉ’ዮም ይብሉ።

ገለ ወገናት’ውን ዶናልድ ትራምፕ ካብ ስምምዕ ክሊማ ፓሪስ ክወጹ ይክእሉ እዮም ይብሉ እዚ ድማ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ልዑል ጽልዋ ክሕልዎ'ዮ ክብሉ ስግኣቶም ይገልጹ።

ኣብ ዓለምለኸ ዝምድና ሃገራት በዓል ሞያ ዝኾኑ ቻርለስ ኢቦኑ ካብ ካሜሮን ኣብ ጉዳይ ምሕደራ ብዝምልከት ኣሜሪካ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኣፍሪካ ዝጸንሓ ጸቕጢ ማህበራዊ ፖሊሲ ክጎድል ይኽእል እዩ ይብሉ።

“መንግስታት ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ሓገዝ ንምዕባለ ንምርኻብ ኣብ ልዕሊአን ዝጸንሓ ጸቕጢ ኣብ ጉዳይ ሰብአዊ መሰላት፡ ምንጻል ጥንሲ፡ ጉዳይ መርዓ ተመሳሳሊ ጾታ ኽቀልል እዩ ምክንያቱ ኣሜሪካ ኣብ ትሕቲ ፕረዝደንትነት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ዓቓባዊ ፖሊሲ ክትምለስ ስለዝኾነት።”

ምሩጽ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ወፍሪ ዘመተ ምርጫኦም ብዛዕባ ኣፍሪቃ ኾነ ኣፍሪቃዊያን ብዙሕ እንተዘይገለጹ ክልተ መዓልታት ቅድሚ ምርጫ ግን ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ ብሰንኺ ሶማላዊያን ስደተኛታት ከምዝተጎድአት ገሊጾም ኔሮም ኣብ እዋን ምርጫ ድማ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ መቀናቕንተን ሕጽይቲ ዲሞክራት ሂላሪ ክሊንተን ምዕዋተን ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ስግኣት ግብረ ሽበራ፡ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭታት፡ ቁጥዓ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ከምኡ’ውን ጉዳይ ቻይና ወሲኻ ምሩጽ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንሃገራዊ ረብሓ ኣሜሪካ ዝጸልው ብዙሕ ዓለምለኸ ብድሆታት ክገጥሞም’ዩ።

ዶናልድ ትራምፕ ንኹናት ኣንጻር ጎነጻዊ ጥሩፍነት ከምዝስዕሩን ሓደ ካብ ብቐዳምነት ዝሰርሕሉ ምኻኑን ብተደጋጋሚ ዝገለጹ እንተኾኑ ብዙሓት ተንተንቲ ግን ኣብ ወፍሪ ምርጫ ዝተጠቕምሉ ናይ አዘራርባ ጥበብ ኣብ ተግባር ከምዘይጠቕም ይነቕፉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ጽልዋ ምሩጽ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ እንታይ እዩ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:23 0:00

XS
SM
MD
LG