ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዓፋር ዝነብሩ ተጋሩ ዓርሰ ምምሕዳር ይሓቱ ኣለዉ፣ክልል ዓፋር ኣይሰምዓናን ይብሉ


ርእሰ-ምምሕዳር ዓፈር ግና ዛጊድ ዝቀረበለይ ሕቶ የለን ኢሎም

ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ኣብዓላ ኣብ ጣብያታት ውህደት፣ ህድሞን ዋጋየን ዝነብሩ ተጋሩ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀጽ 39 ንኡስ ዓንቀጽ 2 ን 3 ን ቋንቋና ተጠቒምና ዓርስና ክነማሓድር ዘኽእለና ፍሉይ ወረዳ ይፈቐደልና እንትብሉ ይሓቱ፡፡

እዞም በዝሖም ልዕሊ 15 ሽሕ ምዃኑ ዝገልፁ ሰባት ብ 8 ወከልቶም ኣቢሎም ጥርዓኖም ካብ ጣብያ ክሻብ ምምሕዳር ክልል ካብኡ’ውን ንቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ከምዘቕረቡ ገሊፆም ኣለዉ፡፡

“ኣብቲ ክልል ከም ክርስትያን ኣይንቑፀርን ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ እምነትና ፀቕጢ ይበጽሐና’ሎ” እንትብሉ ጥርዓኖም የስምዑ፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ኣይተ እስማዒል ዓሊ ሴሮ ብወገኖም “እቶም ሰባት ናብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ጥርዓን ከምዘቕረቡ ሰሚዐ እየ፤ ኮይኑ ግና ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ናባይ መፂኡ ዝተዛረበኒ ሰብ የለን” ይብሉ፡፡

ንበይንና ይሕሸና እንተዳኣ ዝብሉ ኮይኖም ኣገባብ ብዘለዎ መልክዕ ምስቲ ክልል ክዛተይሉ ይኽእሉ እዮም፡፡

ኣብ ሃይማኖታዊ እምነቶም ፅዕንቶ ይበጽሐና’ሎ ንዝበልዎ ድማ ዋላ እኳ ብዛዕባ እዚ ናባይ ዝበፀሐ ነገር ተዘይሃለወ ቤተ ክርስትያን ኣለዎም ከምቃሕተኦም እምነቶም ዝገልጽሉ ፤ካብዚ ወጻኢ ንሃይማነቶም ዝጻረር ዝኾነ ይኹን ሰብ ወይ ኣካል የለን ኢሎም ኣይተ እስማዒል፡፡

እቶም ንቲ ህዝቢ ንውክሎ ኢና ዝብሉ ዘለዉ ሰባት ህዝቢ ከምዝወከሎም ብኸመይ ምርግጋፅ ይካኣል ዝብል ስግኣት ዝሓዘለ ርኢቶ ዝሃቡ እቶም ርእሰ ምምሕዳር እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ ናይ ህዝቢ ሕቶ እዩ ዝብል እምነት የብለይን ኢሎም፡፡

XS
SM
MD
LG