ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ታንዛንያ -- ሓያል ዝናብ 155 ቀቲሉ፡ 200-ሽሕ ኣማዛቢሉ


ዝናብ ታንዛንያ
ዝናብ ታንዛንያ

ኣብ ታንዛኒያ ብዝወረደ መሸንቦባ ዝተሓወሶ ብርቱዕ ዝናብን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ሃሚን፡ ብውሑዱ 155 ሰባት ምቕታሉ ንቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣስፊሩ። በቲ ዝወረደ ዝናብ ኣስታት 200-ሽሕ ዜጋታት ምምዝባሎም ቀዳማይ ሚኒስተር ንፓርላማ እታ ሃገር ሓቢሩ። ኣይሂ ዝናብ ታንዛኒያ ንኣሽሓት ገዛውቲ ኣዕንዩ፡ ሕርሻታት ደምሲሱን ትሕተ-ቅርጺ እታ ሃገር ኣፍሪሱን ምህላዉ’ውን እቲ ዜና ይሕብር። በቲ ዝወረደ ዝናብ ከባቢ 236 ዜጋታት’ውን ምቝሳሎም ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ዝናብ ኣብ በበይኑ ወገናት እታ ሃገር’ዩ ሓደጋታት ኣውሪዱ ዘሎ።

ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኢሊኖ ዘሰነዮ ዝናብ በበይኑ ጉድኣታት የውርድ ከም ዘሎ ይፍለጥ። ኣብ ኬንያ ዝሓለፈ ሰሙን 13 ክቕትል እንከሎ፡ ኣብ ብሩንዲ ድማ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣስታት 100-ሽሕ ዜጋታት ምምዝባሉ ይዝከር።

ኣብ ጥቅምቲ 1997 ከምኡ’ውን ጥሪ 1998 ኣብቲ ከባቢ ዝወረደ ብርቱዕ ዝናብ፡ ካብ ሓሙሽተ ጎረባብቲ ሃገራት ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ዜጋታት ምቕታሉ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG