ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ እስራኤል ንርክብ መራሕቲ ኣመሪካን ዒራቕን ይዕብልል


መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ እስራኤል ንርክብ መራሕቲ ኣመሪካን ዒራቕን ይዕብልል
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:32 0:00

መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ እስራኤል ንርክብ መራሕቲ ኣመሪካን ዒራቕን ይዕብልል

ፕረዚደንት ባይደን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዋይት ሃዋስ ንቀዳማይ ሚንስተር ዒራቕ ተቐቢሉ ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን፡ ብዛዕባ ኩነታት ኢራንን እስራኤልን ጸቒጦም ተዘራሪቦም ኣለዉ።

ዝሓለፈ ቀዳም፡ ኢራን ናብ እስራኤል ዝፈነወቶ ታሪኻዊ መጥቃዕቲ፥ ግብረ-መልሲ ኣስዒቡ ዝዓበየ ዞባዊ ግጭት ከየስዕብ ተሰጊኡ`ሎ።

እቲ መራሒ ዒራቕ ኣቐዲሙ`ውን ቅድሚ መጥቃዕቲ ኢራን ናብ እስራኤል ምስ ፕረዚደንት ባይደን ብዙሕ ዝዘራረበሉ ኣርእስቲ ኔሩ`ዩ፡ ። እንተኾነ እቲ ዞባዊ ኲናት ከየልዕል ተሰጊኡ ዘሎ መጥቃዕቲ ኢራን ነቲ ርክብ ክልተኦም መራሕቲ ዓብሊልዎ ኔሩ።

ሽሕ`ኳ ኣመሪካ እቲ ብቐዳም ዝተገብረ መጥቃዕቲ ድሮናት ኢራን ብሓፈሽኡ ፈሺሉ`ዩ እንተበለት፡ መራሒ ዒራቕ ብወገኑ ግጭት ሓማስን እስራኤልን ነቲ ዞባ ዝዓበየ ስግኣት ኮይንዎ ከም ዘሎ ኣስሚርሉ`ሎ።

"ንሕና እዚ ኲናት ቀልጢፉ ጠጠው ክብል ኣለዎ ኢና ንብል ዘለና። ቆልዑትን ደቀንስትዮን ዝርከብዎም ህይወት ኣሸሓት`ዩ ዝበልዕ ዘሎ። እቲ ግጭት ንከይሰፍሕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ክተባባዕ ይግባእ።"

ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ ወተሃደራዊ ምትእትታው ካብ ትገብር ንድሓር፡ ንሰሜናዊ ቦታታት ዒራቕ ተጠቒማ`ውን ንሚሳይላት ኢራን ወቒዓ ተውድቕ ስለዝነበረትን፡ ኣብ መንጎ ዒራቕን ኢራንን ሓርፋፍ ዝምድና`ዩ ጸኒሑ።

ፕረዚደንት ባይደን ድማ፡ ንነዊሕ እዋን ተጻባኢት ኢራን ዝጸንሐት ዒራቕ ኣብቲ ዞባ፡ ሰላም ኣብ ምዕቃብ ክትጻወቶ ትኽእል ተራ ኣሎ ይብል።

“ብቐሊሉ ንምቕማጥ፡ ሽርክነትና ንሃገራትና፡ ንማእከላይ ምብራቕን ንዓለምን ኣገዳሲ`ዩ።"

ኣቐዲሙ ትማሊ ሰኑይ እቲ መራሒ ዒራቕ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ክልቲኦም መራሕቲ ነቲ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ኣብ ምፍሻል ዝነበረ ዞባዊ ምትሕብባር ብምንኣድ፡ ውጥረት ክሃድእ ጸዊዖም ኔሮም።

"ኣብዚ ሰሙን`ዚ ዝረኣናዮ፡ እስራኤል ግዳይ መጥቃዕቲ ክትከውን ከላ በይና ኮይና ክትከላኸል ከም ዘይብላ`ዩ። ድሕሪ`ቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ፡ እቲ ወጥሪ ከይዓርግ ንምክልኻል ዲፕሎማሲያዊ ግብረ-መልሲ ኢና ነወሃህድ ዘለና። ጽንዓትን ልቦናን ናብ ክልቲኦም ክስደድ ኣለዎ። ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገጽ`ዮም።"

ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተር ዒራቕ መሓመድ ዓሊ ታሚም ብወገኑ፡ ኩሎም ወገናት ዓለምለኻዊ ስምምዓት ከኽብሩ ኣለዎም ኢሉ ኔሩ።

"ኩሎም ወገናት ነቲ ወጥሪ ካብ ምዕራግ ክቑጠቡን፡ ብሕግታት ተማእዘዘቲ ክኾኑ ከምኡ ድማ ብሓባር ዘቐመጥናዮም ዓለ፡ለኸ ውዕላት ከኽብሩ ይግባእ።"

ኣብቲ ትማሊ ኣብ መንጎ ባይደንን ቀዳማይ ሚንስተር ዒራቕን ኣብ ዋይት ሃዋስ ዝተገብረ ርክብ፡ እዚ ዝብሃል ዓቢይ ስምምዓት ኣይተገልጸን። ተንተንቲ ግን መሪሕነት ዒራቕ ክገብሮ ዘለዎ ነገራት ኣሎ ይብሉ። ዳንኤል ባይማን ካብ ማእከል ስትራተጅን ኣህጉራዊ መጽናዕትን`ዩ፡ “ዒራቕ ነቲ ወጥሪ ኣብ ምህዳእ ዘለዋ ምርጫ ንጹር ክትገብር ኣለዋ።ንሱ ድማ ንኢራናውያንን ንኻልኦት ሃገራት ዓረብን ምዝርራብ ድዩ ወይ ንኣመሪካ ምዝራብ ዝብል ምርጫ እያ ክትርኢ ዘለዋ። ዒራቕ፡ ኩሎም ሓይልታት ነቲ ውጥረት ንምህዳእ ሓለፍነታዊ ስጉምቲ ክወስዱ ትደሊ ይመስለኒ።''

እስራኤል ብዛዕባ ትወስዶ ግብረ መልሲ ኣብ ትመዝነሉ ዘላ እዋን፡ ዞባውያን መራሕቲ`ውን ኮፍ ኣይበሉን። ትማሊ ቀዳም ፕረዚደንት ዒራቕ ምስ ንጉስ ዮርዳኖስ ተዘራሪቡ ኔሩ። እቲ ግጭት እንተንሂሩ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋታት ምግምጋሞም ካብ ዮርዳኖስ ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG