ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ንኢማራት ንፈትዋ፡" ዝተጻሕፎ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ደሴት የመን ይስራሕ ምህላዉ ምስልታት ሳትላይት ኣርእዮም


እቲ ዝስራሕ ዘሎ ማዕርፎ ነፈርቲ ካብ ምስሊ ሳትላይት
እቲ ዝስራሕ ዘሎ ማዕርፎ ነፈርቲ ካብ ምስሊ ሳትላይት

ዕጡቓት ሑቲ የመን ብወሽመጥ ዓደን ንዝሓልፋ መራኽብ ምጥቃዕ ኣብ ዝቐጸሉሉ፡ ኣብ ሓንቲ ናይ የመን ደሴት መዓርፎ ነፈርቲ ይስራሕ ከምዘሎ ኣሶሸይትድ ፕረስ ዝተቐበሎ ናይ ሳታላይት ስእሊ ኣርእዩ።

እቲ ናይ ህንጸት ቦታ ናብ ኣፍደገ ወሽመጥ ዓደን ዘእቱ ከባቢ ህንዳዊ ውቅያኖስ ክኸውን ከሎ፡ I LOVE U.A.E. (ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ እፈትዋ`የ) ዝብል ጽሑፍ ተጻሒፍዎ ይርአ። ስለዚ ብኢማራት ዓረብ ዝህነጽ ዘሎ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝኾነ`ዩ ዝግመት ዘሎ። እቲ ህንጸት ዝካየደላ ደሴት ዓብድ ኣል-ኩሪ ትብሃል ናይ የመን ደሴት`ያ።

ኢማራት ዓረብ ብዛዕባ`ቲ ህንጸት መዓርፎ ነፈርቲ ተሓቲታ ክትምልስ ከላ፡ ዝኾነ ኣብቲ ደሴት ዝግበር ህላወ ምስ መንግስቲ የመን ብምትሕባባር ዝፍጸም ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተመርኰሰ`ዩ ኢላ`ላ።

ኣብ ዋሺንግተን ዝርከብ ኤምባሲ የመን ኮነ ኤምባሲ ስዑድያን ግን ብዛዕባ`ቲ ዜና ምላሽ ክህቡ ኣይተረኽቡን። ደሴት ዓብድ ኣል-ኩሩ 35 ኪ,ሜ ንውሓት ሓሙሽተ ኪ,ሜ ስፍሓት ዘለዋ ኰይና ካብ ንየመን ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትቐርብ ደሴት`ያ።

መስመራት ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን፡ ዓውደ-ኲናት ሑቲን ብኣመሪካ ዝምርሑ ሓይልታትን ኮይኑ ምቕናዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሳዕቤን ናይቲ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምዃኑ ይንገር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG