ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እዝኒ ዝበኾሮ -- ውሕልነት ኣብ ኢድ


እዝኒ ዝበኾሮ -- ውሕልነት ናብ ኢድ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:49 0:00

እዝኒ ዝበኾሮ -- ውሕልነት ናብ ኢድ

ብሰገን ጉጅለ ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታትን መሸርኽቱን፡ ንኽልተ ዓመት ሞያዊ ስልጠና ክወስዳ ዝጸንሓ 26 ጽሙማን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብ27 ለካቲት ተመሪቐን። ዋና ጸሓፊ ናይቲ ጉጅለ ስነ-ጥበበኛ ብርሃነ ኣዶናይ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት፡ ጎኒ ጎኒ’ቲ ዝህቦ ናይ ንድፍን ቅብኣን ስልጠናታት፡ ካብ መንግስታውያንን ዘይ መንግስታውያንን መሻርኽቲ ብዝረኽቦ ምወላ፡ ምስ ኤችኣይቪ ንዝነብሩ መንእሰያት ናይ ንድፍን ቅብኣን፡ ንጽጉማት ኣለየቲ ስድራ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ናይ ኢደ-ጥበብ ስልጠና ከም ዝሃበ ይገልጽ። ነዘን ጽሙማን ዝተውሃበ ስልጠና መቀጸልታ ናይቲ ፍሉይ ጸገም ንዘለዎም ክፋል ሕ/ሰብ ክህቦ ዝጸንሐ ሓገዝ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።

እዘን ጽሙማን ብስፌት መኪና፡ ብቅዲ ክዳን፡ ጥልፊ፡ ንድፍን ቅብኣን፡ ንፊልም ዝኸውን ናይ ምጽብባቕ ከምኡ’ውን ስርሓት ላኻ፡ ፈትሊ፡ ቆርበትን ዝኣመሰሉ ናይ ኢደ ጥበበን ዋኒን ንምጅማር ዝሕግዝ፡ ብግብርን ክልሰ-ሓሳብን ዝተሰነየ ስልጠና ከም ዝቐሰማ ዋና ጸሓፊ ጉጅለ ሰኣልቲ ሰገን ኣብሪሁ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG