ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን መራሕቲ ሃገራት ኣንጻር ሩስያ ዝተረረ መርገጺ ክወስዱ ጸዊዖም


ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መበል 78 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት
ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መበል 78 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሎሚ ሰሉስ 19 መስከረም ኣብ ዝተኸፍተ መበል 78 ዋዕላ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ መድረኦም መራሕቲ ሃገራት ኣንጻር ሩስያ ዝተረረ ዓለማዊ መርገጺ ክወስዱ ጸዊዖም።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መደረኦም፡ “ዓለም ንመራሒ ሩስያ ንጹር መልእኽቲ ክሰድሉ ኣለዎ፡” ኢሎም። ፕረዚደንት ባይደን ካብ መቀናቕንቶም ሰልፊ ሪፓብሊካን ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብዝጠፍእ ዘሎ ወጻኢታት ክጎድል ኣለዎ ዝብል ነቕፌታ ክወርዶም ጸኒሑ’ዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ’ውን፡ ሃገራት ንኣሰር ኬንያ ተኸቲለን ነታ ብጸጥታዊ ቅልውላው እትሳቐ ዘላ ሀይቲ ሓገዞም ከበክርቱ ጸዊዎዖም።

“ህዝቢ ሀይቲ ካብዚ ንላዕሊ ክጽበዩ ኣይክእሉን’ዮም” ዝበሉ ፕረዚደንት ባይደን፡ ባይቶ ጸጥታ’ውን ነዚ ተልእኾ ክቕልሶን ክከታትሎን ጸዊዖም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG