ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ መወዳእታ ጻዕዳ ፕረሲደንት FW de Klerk ኣብ መበል 85 ዕድሚኡ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ናይ ኬፕ ታውን ገዝኡ ዓሪፉ

South African President Nelson Mandela, left, and Deputy President F.W. de Klerk chat outside Parliament after the approval of South Africa's new constitution May 8, 1996. (AP Photo, file)
South African President Nelson Mandela, left, and Deputy President F.W. de Klerk chat outside Parliament after the approval of South Africa's new constitution May 8, 1996. (AP Photo, file)

ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ መወዳእታ ጻዕዳ ፕረሲደንት FW de Klerk ኣብ መበል 85 ዕድሚኡ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ናይ ኬፕ ታውን ገዝኡ ዓሪፉ።

ደክለርክ ኣብ 1990 ንዓለም ኣገሪሙ- ነቲ ልዕሊ 40 ዓመት ዘቑጸረ ስርዓት ኣፓርታይድ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዘብቅዕ ጌሩ። ሃንደበት ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ንኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ኮንግረስ ኤይ ኤን ሲ፡ ሕጋውነት ኣልቢሱ፡ መራሒኡ ነልሰን ማንዴላ ድሕሪ ናይ 27 ዓመት ማእሰርቲ ክፍታሕ ኣዊጁ።

ድሕሪ 9ተ መዓልታት ድማ ማንደላ ብናጻ ክንቀሳቐስ ጀሚሩ፡ ድሕሪ 4ተ ዓመታት ድማ ኣብቲ ኩሉ

ዓሌትዝሓቖፈ ምርጫ ቀዳማይ ጸሊም ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይኑ ተመሪጹ።

ደክለርክን ማንደላን ኣብ 1993 ሽልማት ኖቤል ተሸሊሞም`ዮም- ብዘርኣይዎ ምትሕብባር።

XS
SM
MD
LG