ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሊንከን ኲናት ኢትዮጵያ “ብልዝብ ክፍታሕ” ምዃኑ ይኣምን


Blinken and Abiy collage
Blinken and Abiy collage

በበይኖም ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣንጻር ሰራዊት ፈደራል ዓቢ ዓወት የመዝግቡ ከም ዘለዉ ኣብ ዝገልጹሉ ዘለዉ እዋን፡ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቲ እንኮ ፍታሕ ዘተ ጥራይ’ዩ ክብል ትማሊ ረቡዕ ተዛሪቡ።

ከም ጸብጻብ ዜና ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ፡ “ኩላቶም ወገናት ሓደጋ ምቕጻል ኲናት ዝተገንዘቡ ይመስሉ፡” ክብል ንጋዜጠኛታት መግለጺ ሂቡ።

ብሊንከን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኦሎሰገን ኦባሳንጆን ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፈልትማን ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ ከምኡ ዝበለ።

ወሲኹ ብሊንከን፡ ኦባሳንጆ ኣብ ዘተ ዝገበሮ ዘሎ ፈተናታት ተስፋ ከም ዘለዎን ኣመሪካ ምሉእ ድጋፍ ከም እትህቦን ይጠቅስ። ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ድማ እቲ ዝካየድ ዘሎ ምይይጥ ንፍታሕ መስኮት ዝኸፍትን ንምቍራጽ ተጻብኦታት ዝድርኽን’ዩ።

ምቍራጽ ተጻብኦታት ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ዕድል ምኽፋትን ንፖለቲካዊ ፍታሕ መገዲ ምርሓውን ምዃኑ ብሊከን ይገልጽ።

ብሊንከን ምስ ምኽታል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ብቴለፎን ከም ዝተዛራረቡ’ውን ካብ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝወጸ መግለጺ ይሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኦሊሰገን ኦባሳንጆ ናብ ክልላት ዓፋር፡ ኣምሓራን ትግራይን በጺሑ ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ከም ዝተመያየጠ ጸብጻባት ወኪልትና ካብ ኢትዮጵያ የመልክት።

ኦባሳንጆ ንትግራይ በጺሑ ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ክዛራረብ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ሕጂ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። መዛራረቢ ኣርእስቲ ኦባሳንጆን ዝምልከቶም መራሕቲ ክልላትን እንታይ ምንባሩ ግን ዛጊት ኣይተሓበረን።

XS
SM
MD
LG