ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ ስርዓት ቀብሪ ገዲም ስነጥበበኛ ተኽልንኪኤል ገብሩ ተፈጺሙ


Wedi Ghebru
Wedi Ghebru

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ገዲም ስነጥበበኛ ተኽልንኪኤል ገብሩ(ወዲ ገብሩ) ሎሚ 27 ነሓሰ ፍርቂ መዓልቲ ስድራቤቱ፡መሳርሕቱን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ መካነ መቃብር ሓርበኛታት ተፈጺሙ`ሎ ። ወድ-ገብሩ ትማሊ ሓሙስ ኣብ መበል 71 ዕድሚኡ ብሃንደበታዊ ሕማም ምዕራፉ ተገሊጹ`ሎ።

ንፈለማ ግዜ ኣብ መጀመርያ 70`ታት ናብ ባንድ ቬኑስ ተጸንቢሩ ናይ ገዛእ ርእሱ ደርፍታት ከፍሪ ዝጀመረ ወዲ ገብሩ ብባህላዊ ዜማታት ጓይላ፡ ደጉዓን እስታሊላዊ ህርመታትን ኣብ ልቢ ኣፈቀርቲ ሙዚቃ ክኣቱ ግዜ ኣይወሰደን።

ኣብዚ ግዜ`ዚ`ዩ ኸኣ እነሆልካ ሩባ ዓንሰባን መሬት ዓርኮብኮባይን ዝብላ ደርፍታቱ ልቢ መንእሰያት ኤርትራ ሰሊቡ ናብ ሃገራዊ ቓልሲ ክውሕዙ ዓቢይ ተራ ተጻዊቱ ይብል ዝተነበ ታሪኽ ህይወቱ።

ኣብ 1974 ነቲ ብደርፍታቱ ክሳተፎ ዝጸንሐ ሓርነታዊ ቓልሲ ብኣካል ንምጽንባር ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተኽልንኪኤል ገብሩ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ብግዜ ተፈቲኖም ዘይሃሱ ጽባቐ ዘንጸባርቑ፡ ኣማኢት ደርፍታት ቕድሚ ሜዳ፡ ኣብ ሜዳ፡ ኣብ ስደትን ድሕሪ ናጽነትን ኣብ ኩሉ መድረኻት ረዘንቲ ስርሓት ዘበርከተ ኣርካን`ዩ ይብል ታሪኽ ህይወቱ።

ወዲ-ገብሩ፡ “ኣታ በዓል ገመል ተሰካሚ ጸባ ኦኖሆልካ ሩባ ዓንሰባ፡ እቑርደት ተሰነይ መሬት ዓርኮብኮባይ ዓካተይ በሊዐ ምስ ሰተኹ ጸባይ፡ ኣባ-ጉምባሕ በረኻ ኣብ ሳሕል ኣብ ባርካ እንታይ ርኢኻ፡ ወረጦ ወረጦ ንሞያኺ መን`ሞ ይፈልጦ፡ ዝብላ ደርፍታቱ ገለ ካብቶም ኣብ ልቢ ኣፍቀርቲ ዘይሃሱ ደርፍታቱ`ዮም። ወድ-ገብሩ ኣቦ 8ተ ቆልዑ`ዩ።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:32 0:00


XS
SM
MD
LG