ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝቶ ዘለዎ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ በቢ ዓመቱ ንፆመ ፍልሰታ ስዒቡ 16 ነሓሰ  ይኽበር


Ashenda
Ashenda

ኣብ ዋሽንግተንን ከባቢኣን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ንዝሓለፉ 13 ዓመታት ዝተፈላለዩ ነቲ በዓል ዝገልፁ ምድላዋትን ጣዕመ ዜማታትን ብምድላው ከብዕለኦ ፀኒሐን እየን 

ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝቶ ዘለዎ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ በቢ ዓመቱ ንፆመ ፍልሰታ ስዒቡ 16 ነሓሰ ይኽበር ። ኣብ ዝተፈለለዩ ከባብታት ዓለም ዝርከቡ ማሕበረሰብ ትግራይ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ድማ ከከም ከባቢኦምን ዝጥዕሞም መዓልትን ከኽብርዎ ይስትብሃል። ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ 'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰምበት 22 ነሓሰ 2021 ኣብ ሰውሒ ሃገራዊ ሓወልቲ /monument/ ኣብዒለንኦ ።

በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ንዘመናት እናተኸብረ ዝመፀ ሃይማኖታዊ መሰረት ዘለዎ ብባህላዊ ፍፃመታት ዝማዕረገ ብበዝሒ ደቂ ኣንዝትዮን ኣዋልድን ዝሳተፋሉ ክብረ በዓል እዩ። ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ መቀ፟ለ ብድምቀት ይኽበር እዩ።

ኣሸንዳ ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ደገ ዝነብሩ ማሕበረሰብ ትግራይ ኽብርዎ ይረአ ። ሎሚ ድማ ኣብቲ ሰምበት 22 ነሓሰ 2021 ዝተባዕለ ኣሸንዳ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣከባብራ እቲ በዓል ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ተዓዚብና ኢና ። ካብዚኦም ሓደ እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብቲ ሃምለዋይ ሜዳ ሃገራዊ ሓወልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን ዘዳለወኦ ምድላው ተረኺበ ነይረ።

መስቲ ብሓምለዋይ ሳዕሪ ዝማዕረገ ጎልጎል ሃገራዊ ሓወልቲ ዋሽንግተን ዲሲ /Monument/ በዓል ኣሸንዳ በዓል ኣሸንዳ ከኽብራ ዝተአኻኸባ ደቂ ኣንዝትዮን ኣዋልድን ባአልባሳትን መጋየፂታትን ማዕሪገን ኣብቲ ሜዳ ክፃወታን ክዘላን ክትርኢ ብዓይነ ሕልና ንብቲ ብዝፍሓት ዝኽበረሉ ኸባቢ የዘኻኽር ።

ኣብ ዋሽንግተንን ከባቢኣን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ንዝሓለፉ 13 ዓመታት ዝተፈላለዩ ነቲ በዓል ዝገልፁ ምድላዋትን ጣዕመ ዜማታትን ብምድላው ከብዕለኦፀኒሐን እየን ፣ ናቱ መቀ፟ፀልታ ድማ እዩ ኣብ ሜሪላንድ ፣ቨርጂንያን ዋሽንግተን ዲሲን ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ብሓንሳብ ተኣኻኺበን ዘብዐለኦ ። ኣብቲ ዋን ዝረኸብኹወን ደቂ ኣሸንዳ ብዛዕባ እቲ በዓል ኣዘራሪበየን ነይረ።

ሎምዘበን ብሓንሳብ ተኣኻኺበን ዘኽብራሉ ምኽኛት እቲ መግለፂ ናፅነት ደቂ ኣንስትዮ ዝኾነ በዓል ኣሸንዳ ብምኽኛት እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናትን ሳእቤናቱን ናፅነተን ተነፊገን ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ድምፂ ክንኮንመን እዩ ይብላ እተን ተሳተፍቲ ።

ኣብቲ እዋን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልልትግራይ ኣጓኒፉ ዝርከብ ቅልውላው ዝገልፁ ዝተፈላለዩ ጭርሖታትን ባህላዊ ትርኢታትን ቀሪቦም ነይሮም ። ብልፅቲ ኣሸንደይቲ'ውን ተሓርያ።

እቲ በዓል ብዝተፈላለዩ ጣዕመ ዜማታትን ሳዕስዒትን ደሚቁ፟ ተዛዚሙ እዩ። በዓል ኣሸንዳ ኣብ ኢትዩጵያ ኣብ ክልላት ትግራይናአምሓራን ኣሸንዳ፣ሻደይን አሸንዱየን እናተባህለ ዝክበር በዓል ደቂ ኣንስትዮ ኮይኑ ኣብ ዩኒስኮ ንኽምዝገብውን ፃዕርታት ክግበር ምፅንሑ ዝፍለጥ እዩ ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:05 0:00


XS
SM
MD
LG