ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕማም ዓባይ ስዓል ብመርመራ ደም ምፍላጥ ከምዝክኣል ሓደ መፅናዕቲ ኣፍሊጡ


TB
TB

ሰባት ብሕማም ዓባይ ስዓል ዝተትሓዙ ምዃኖም መርመራ ደም ብምግባር ንምፍላጥ ከምዝክኣል ሓደ መፅናዕቲ ኣፍሊጡ። እቲ ፈተነ ሕማም ሳምቡእ ንምፍላጥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ይስርሐሎ ካብዘሎ ዝቐለለን ዝሓመሙ ሰባት ኣለሊኻ ንምሕካም ዝሓሸን ኣገባብ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

በብዓመቱ 9.6 ሚሊዮን ሰባት ብዓባይ ስዓል ይትሓዙ። ካብኦም እቶም 1.5 ሚሊዮን ይሞቱ።እቶም ዝተረፉ ነቲ ባክተሪያ ብሕቡእ ይስከምዎ።እዚኦም ኣብ ዝኾነ እዋን ናብ ንቑሕ ባክተሪያ ክሰጋገሩን ዘላቒ ዝኾነ ሓደጋ ዘስዕቡን እዮም።

ሲሶ ካብ ህዝቢ ዓለም ብዓባይ ስዓል /TB/ ዝተለኽፉ ምዃኖም ይግመት፤እቶም ንቑሓት ባክተሪያታት TB ንምሕካም ኣዚዮም ኣሸገርቲ እዮም።

ተመራመርቲ ዝተሓብአ ዓይነት TB ንምፍላጥ ዘኽእል ቀሊል ኣገባብ ምርመራ ደም ክምህዙ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ 2014 ኣ/ፈ ሓቲቱ ነይሩ።

በዚ መሰረት ካትሪን መሳርሕቶምን ካሊፎርኒያ ኣብ ዝርከብ ዪንቨርስቲ ሳትንፎርድ እቲ ሕቶ ዝምልሽ ውፅኢት ምሂዞም። ናይቲ ምርመራ ውፅኢት ሓቅነት ዝለዓለ ጥራሕ ከይኮነ ድማ እቲ ሕማም ብዘሰፊሑ ኣብ ዝርኣየለን ድኻ ሃገራት ክሰርሕ ዝኽእል እዩ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሕማም ዓባይ ስዓል ብመርመራ ደም ምፍላጥ ከምዝክኣል ሓደ መፅናዕቲ ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:51 0:00

XS
SM
MD
LG