ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሰልጣኒ ጋንታ ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ዶ/ር ወልደመስቀል ኮስትሬ ዓሪፎም።


ዶ/ር ወልደመስቀል ኮስትሬ
ዶ/ር ወልደመስቀል ኮስትሬ

ካብ ኦሎምፒክ ሙኒክ ጀርመን ክሳብ እዚ ዘለናዮ መዋእል ንኣስታት 40 ዓመታት፣ ኣብ መድረኻት ኦሎምፒክን ዓለም-ለኸ ውድድራት ኣትሌትክስ ኣዝዮም ዝፍለጡ ውሩይ ዓላሚ’ዮም ነይሮም።

ዕዉታት ኣትሌታት ኢትዮጵያ ከምባዓል ኣትሌት ሃይሌ ገ/ስላሴ፣ደራርቱ ቱሉ፣ ቀነኒሳ በቀለን ጥሩነሽ ዲባባን ካልኦትን'ውን ብዶ/ር ወልደመስቀል ዝሰልጠኑን ናብ ክብሪ ዝበቅዑን ገሊኦም'ዮም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ብዕረፍቲ ዶ/ር ወልደመስቀል ኮስትሬ ዓሚቕ ሓዘን ከምዝተሰመዖ፣ ዓለም-ለኸ ፊደረሽን ኣትሌትክስ (IAAF) ሎሚ ሶኒይ ኣብ ዝዘርገሖ መግለፂ ሓቢሩ።

IAAF ኣብ መግለፂኡ፣ ኢትዮጵያ ሎሚ ንእትርከበሉ ኣገራሚ ብርኪ ዓወት ኣብ ነዊሕ ርሕቀት ፍሉይ ኣበርክቶ ዝነበሮም መሃንዲስ ኣትሌትክስ ኢሉ’ውን የሞግሶም ንዶ/ር ወልደመስቀል ኮስትሬ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዶ/ር ወልደመስቀል፣ ፅባሕ ኣብ ኣዲሳበባ ቤተ-ክርስትያን ቅድስተ-ስላሴ ክፍፀም’ዩ።

XS
SM
MD
LG